bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 7
Proverbs 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ወደይ፥ ንቓለይ ሓልዎ፤ ንትእዛዛተይውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
2
ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፤ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።
3
ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ።
4
ንጥበብ “ንስኺ ሓፍተይ ኢኺ” በላ፤ ንምስትውዓልውን “እምንቲ ፈታዊተይ ኢኺ” በላ።
5
ንሳተን ከዓ ኻብ ሰበይቲ እማትካ፥ ካብታ መስሓቲ ቓል እትዛረብ ካልእ ሰበይቲ ኸናግፋኻ እየን።
6
ኣብ መስኮት ቤተይ ኮይነ፥ ብዓይኒ ርግቢ ኣማዕዱ ነበርኩ።
7
ኣብኡ ብዙሓት ዓያሹ መናእሰይ ረአኹ፤ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ሓደ ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ ተመልከትኩ።
8
ንሱ ብኣደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መንገዲ ሓሊፉ፥ ናብታ ናብ ቤት ኣመንዝራ እትወስድ መንገዲ ኣምርሐ።
9
ምድሪ መስዩ፥ ፅልግልግታ ኾይኑ፥ ድቕድቕ ፀልማትውን ነበረ።
10
እንሆ ኽዳን ምንዝርና ዝተኸደነት፥ ነፍሳት ንምፅዋድ ዝተዳለወት ሰበይቲ ተራኸበቶ።
11
ንሳ ህውከተኛን ቀላልን ነበረት፤ ኣእጋራውን ኣብ ገዛኣ ኣይዓርፋን ነበራ።
12
ሓደ ጊዜ ኣብ ኣደባባይ፥ ሓደ ጊዜ ኣብ ዕዳጋ፥ ሓደ ጊዜ ኸዓ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትፅበ።
13
ነቲ መንእሰይ ድማ ሓዘቶ፤ ሰዓመቶውን፤ ብዘይ ምሕፋር ገፁ እናጠመተት ከዓ፦
14
መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።
15
ስለዙይ ገፅካ እደሊ ስለ ዝነበርኩ ኽቕበለካ ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ ረኸብኩኻ።
16
ኣብ ዓራተይ ብፈትሊ ግብፂ ዝተጠልፈ፥ ዝንጕርጕር ምንፃፍ ኣንፂፈ ኣለኹ።
17
ነቲ ምድቃሰይ ከርበን፥ ዓልወን፥ ቀረፋን ነፂገሉ ኣለኹ።
18
ነዓ፥ ክሳዕ ዝወግሕ ብፍቕሪ ንርወ፤ ብምትሕቝቛፍውን ንተሓጐስ።
19
ሰብኣየይ ናብ ርሑቕ ስለ ዝገሸ፥ ኣብ ገዛ የለን።
20
ብኢዱውን ዝተቛፀረ ኸረጢት ብሪ ሒዙ ኸይዱ ኣሎ፤ ወርሒ ምሉእ ምስ ኮነት እዩ ዝምለስ በለቶ።
21
ብብዙሕ ጥበራኣ ኣስሓተቶ፤ ብልዙብ ከናፍራውን ኣታለለቶ።
22
ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኹብኰብ ብዕራይ፥ ከምቲ ናብ ማእሰር ዝኸይድ ከልቢ፥ ከምቲ ፍላፃ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ፥ ብመፃወድያ ዝተሓዝ ሜዳቝ፥ ከምቲ ይጠፍእ ከም ዘሎ እንተይፈለጠ፥ ናብ መፈንጠር ዝህወኽ ዒፍ ኮይኑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰዓባ።
24
እምበኣር ደቀይ፥ ስምዑኒ፤ ናብ ዘረባይ ድማ ኣቕልቡ።
25
ልብኻ ናብ መንገዳ ኣየዘምብል፤ ብመንገዳውን ኣይትስሓት።
26
ወጊኣ ዘውደቐቶም ብዙሓት እዮም፤ ዝቐተለቶምውን የመና ብዙሓት እዮም።
27
ገዛኣ መንገዲ ሲኦል እዩ፤ ናብ ውሻጠ ሞትውን ዘውርድ እዩ።
← Chapter 6
Chapter 8 →