bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 6
Proverbs 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ወደይ፥ ንብፃይካ እንተ ተውሓስካ፥ ስለ ጓና ኸዓ ኢድ እንተ ጠቓዕኻ፥
2
ብቓል ኣፍካ ተትሓዝካ፤ ብቓል ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3
ወደይ፥ ኣብ ኢድ ጐረቤትካ ኻብ ወደቕካስ፥ ምእንቲ ነፃ ኽትወፅእ፥ ከምዙይ ግበር፦ ኪድሞ ቐልጢፍካ ንጐረቤትካ ኣትክሮ፤
4
ንዓይንኻ ድቃስ፥ ንቕርንብካ ትኽስታ ኣይትሃብ፤
5
ሜዳቝ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፥ ዒፍውን ካብ መፈንጠር ከም ዘምልጣ፥ ንርእስኻ ኣድሕን።
6
ኣታ ሃካይ ናብ ፃፀ ኺድ፤ መንገዱ ተመልኪትካውን ጠቢብ ኩን።
7
ሓለቓ ኾነ ኣዛዚ፥ ወይ ገዛኢ እንተይሃለዎ፥
8
ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፤ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9
ኣታ ሃካይ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትድቅስ? መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትስእ?
10
ሓንሳእ ትድቅስ፤ ሓንሳእ ኸዓ ትታኸስ፤ ክትድቅስውን ኢድካ ተመሳቕል ኣለኻ።
11
እምበኣር ድኽነት ከም ቅልጡፍ ጕሒላ፥ ስእነት ድማ ኣፅዋር ከም ዝተዓጠቐ ሽፍታ ኾይኑ ይመፀካ ኣሎ።
12
ክፉእን፥ ዓማፂን ሰብ፥ ብቐይናን ኣፍ ይመላለስ።
13
ብዓይኑ ይጠቅስ፤ ብእግሩ ይዛረብ፤ በፃብዕቱ የመልክት።
14
ኵሉ ጊዜ ብልቡ ተንኰል ይኣልም፤ ክፋእ ይፍሕስ፤ ፅልኢ ድማ ይዘርእ።
15
ስለዙይ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመፅእ፤ ብድንገት ድማ ይደቅቕ፤ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16
እግዚኣብሄር ዝፀልአን፥ ሽዱሽተ ነገራት እየን፤ ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤
17
“ዕቡይ ዓይኒ፥ ሓሳዊት መልሓስ፥ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥
18
“ክፍኣት ዝፍሕስ ልቢ፥ ክፉእ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፥
19
“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።
20
ወደይ፥ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፤ ንሕጊ ወላዲትካ ኸዓ ኣይትሕደግ።
21
ኵልሻዕ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ ኣብ ክሳድካ እሰሮ።
22
ንሱ ኽትከይድ እንተለኻ ይመርሐካ፤ ክትድቅስ እንተለኻ ይሕልወካ፤ ምስ ነቓሕኻውን የነጋግረካ።
23
ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።
24
እዙይ ካብታ ኽፍእቲ ሰበይቲ፥ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኸናግፈካ እዩ።
25
ንፅባቐኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፤ ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ።
26
ዋጋ ኣመንዝራ ክሳዕ ሓንቲ እንጀራ እዩ፤ ዘማዊት ሰበይቲውን ንህይወት ሰብ ተፃውድ።
27
ኣብ ሕቍፉ ሓዊ ዝሓቍፍ፥ ክዳኑ ዘይቃፀልከ መን እዩ?
28
ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ዝኸይድ፥ ኣእጋሩ ዘይቃፀልከ መን እዩ?
29
ናብ ሰበይቲ ብፃዩ ዘኣቱ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ኵሉ ዝነኽኣውን እንተይተቐፅዐ ኸቶ ኣይተርፍን።
30
ሰራቒ ጠምዩ ኽዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፥ ሰባት ኣይንዕቕዎን እዮም።
31
እንተ ተትሓዘ ኸዓ፥ ሸውዓተ ኢድ ይዓዲ፤ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ።
32
እቲ ምስ ሰበይቲ እማቱ ዘመንዝር ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ከምኡ ዝገብርውን ንህይወቱ እዩ ዘጥፍኣ።
33
ውርደትን መግረፍትን ይቕበል፤ ውርደቱውን ከቶ ኣይድምሰስን።
34
ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፥ ሕነ ኽፈዲ እንተሎ ኣየናሕስን እዩ።
35
ንሱውን ካሕሳ ኣይቕበልን፤ ኣብዚሕኻ ውህብቶ እንተ ኣቕረብካሉኳ፥ ኣይዕረቕን።
← Chapter 5
Chapter 7 →