bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 8
Proverbs 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብሓቂ ጥበብ ዓው ኢላዶ ኣይትፅውዕን? ፍልጠትከ ድምፃዶ ኣይተስምዕን?
2
ኣብ ጫፍ ኰረብታታት ቆይማ፥ ኣብ ቀራናታት መንገዲ ደው ኢላ፥
3
ኣብ ጥቓ ደገታት፥ ኣብ መእተዊ ኸተማ፥ ኣብ ኣፍ በርታት ኮይና ድምፂ ተስምዕ ኣላ፦
4
ኣቱም ሰባት፥ ንኣኻትኩም እየ ዝፅውዐኩም ዘለኹ፤ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘለኹ።
5
ኣቱም ዓያሹ ፍልጠት ተምሃሩ፤ ኣቱም ሰነፋትውን ኣስተውዕሉ።
6
ክቡር ነገር ክዛረብ እየ እሞ ስምዑ፤ ከናፍረይውን ቅኑዕ ነገር ንምንጋር ክኸፍት እየ።
7
ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፤ ከናፍረይውን ንኽፍኣት ይፅየፋ።
8
ኵለን ቃላት ኣፈይ ሓቂ እየን፤ ቀይናናት ወይ ጥውይዋያት ኣይኮናን።
9
ንሳተን ንመስተውዓልቲ፥ ቅኑዓት እየን፤ ፍልጠት ምስ ዝረኸቡ ሰባትውን ዝሰማምዓ እየን።
10
ንተግሳፀይ ካብ ብሩር፥ ንፍልጠተይውን ካብ ፅሩይ ወርቂ ምረፅዎ።
11
ጥበብ፥ ካብ ክቡር ዕንቍ ትበልፅ እያሞ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ።
12
ኣነ ጥበብ፥ ብብልሓት ተቐሚጠ ኣለኹ፤ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ረኺበ ኣለኹ።
13
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።
14
ምኽርን ቅኑዕ ፍርድን ናተይ እዮም፤ ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ።
15
ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፤ መሳፍንቲ ብኣይ ቅኑዕ ሕጊ ይሕግጉ።
16
ኣሕሉቕን ክቡራንን፥ ፈረድቲ ምድሪ እውን ብኣይ ይገዝኡ።
17
ኣነ ነቶም ዘፍቅሩኒ ኣፍቅሮም፤ እቶም ተጊሆም ዝደልዩኒ ኸዓ ይረኽቡኒ።
18
ሃብትን ክብረትን፥ ነባሪ ጥሪትን በረኸትን ኣባይ ኣሎ።
19
ፍረይ ካብ ፅሩይ ወርቂ፥ ረብሓይ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልፅ።
20
ኣነ ብመንገዲ ፅድቂ እኸይድ፤ ብማእኸል ጐዳና ፍትሒውን እመላለስ።
21
ንዝፈትዉኒ ርስቲ ኣውርሶም፤ ቤት መዝገቦምውን እመልእ።
22
እግዚኣብሄር መጀመርታ መንገዱ ገበረኒ።
23
ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርታ፥ ምድሪ እንተይተፈጥረት ነበርኩ።
24
ገና ባሕርታት እንተይነበረ፥ ዓይኒ ማያት እንተይወሓዘ፥ ኣነ ነበርኩ።
25
እምባታት እንተይተሰረቱ፥ ቅድሚ ዀረብታታት ኣነ ነበርኩ።
26
ንምድርን ንመይዳን፥ ነቲ መጀመርታ መሬትን እንተይፈጠሮ ነበርኩ።
27
ንሰማያት ከቑሞ እንተሎ፥ ንጠፈር ኣብ ልዕሊ ባሕርታት ክዝርግሖ እንተሎ፥
28
ንደመና ናብ ላዕሊ ኸቝሞ እንተሎ፥ ንዓይኒ ባሕሪ ክኸፍቶ እንተሎ፥
29
ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሓልፍ፥ ንባሕሪ ኽውስኖ እንተሎ፥ ንመሰረታት ምድሪ ኸቕውም እንተሎ፥ ኣብኡ ነበርኩ።
30
ሽዑ ኽኢላ ኾይነ ምስኡ ነበርኩ፤ በብመዓልቱ ብኣይ ይሕጐስ፤ ኵልሻዕ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።
31
በቲ ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮ እሕጐስ ነበርኩ፤ ደስታይ ከዓ ብደቂ ሰብ ነበረ።
32
ሕዚ ድማ ደቀይ! መንገደይ ዝሕልዉ ብፁኣን እዮም እሞ ስምዑኒ።
33
ትምህርተይ ስምዑ፤ ለባማት ኩኑ፤ ሸለልውን ኣይትበልዎ።
34
እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ፥ ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ፤
35
እቲ ዝረኽበኒ፥ ህይወት ይረክብ፤ ካብ እግዚኣብሄር ድማ ሞገስ ይረክብ።
36
ኣብ ልዕለይ ዝብድል ንባዕሉ ይጐድእ፤ ኵሎም እቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ሞት ይፈትዉ።
← Chapter 7
Chapter 9 →