bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 5
Proverbs 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ወደይ፥ ምኽሪ ኽተፅንዕ፥ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛ፥ ናብ ጥበበይ ኣድምፅ፤ እዝንኻውን ናብ ትምህርተይ ምለስ።
3
ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይቲ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ ኣፋውን ካብ ዘይቲ ይልስልስ።
4
መወዳእታኣ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ።
5
ኣእጋራ ናብ ሞት፥ ስጕምታ ኸዓ ናብ ሲኦል የውርድ።
6
ቅኑዕ መንገዲ ህይወት ኣይትረክብን፤ በካይዳኣውን ኰብላሊት እያ፤ ዝፍለጥውን ኣይኮነን።
7
ኣቱም ደቀይ፥ እምበኣርከስ ሕዚ ስምዑኒ፤ ካብ ቃላት ኣፈይውን ኣይትርሓቑ።
8
መንገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፤ ናብ ኣፍ ደገኣ ኣይትቕረብ።
9
ክብርኻ ንኻልእ፥ ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ።
10
ካልኦት ካብ ሃብትኻ ኸይፀግቡ፥ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልኦት ከይሓልፍ።
11
ኣብ መወዳእታ ስጋኻን ሰውነትካን ምስ ተወድአ፥ ክትናሳሕ ኢኻ።
12
ሽዑ፥ “ከመይከ ንተግሳፅ ፀላእኽዋ? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም?
13
“ስለ ምንታይከ ድምፂ መምህራነይ ዘይሰማዕኹ? ስለ ምንታይከ ዘየድሃብኩሎም?
14
“ኣብ ማእኸል ማሕበርን ጉባኤን፥ ናብ ኵሉ ኽፉእ ንምብፃሕ ቁሩብ ተሪፉኒ” ኽትብል ኢኻ።
15
ማይ ካብ ዒላኻ፥ ካብቲ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይካ ኸዓ ስተ።
16
ፍልፍል ማይካ ናብ ደገ፥ ሩባታትካ ናብ ኣደባባይዶ ይፈስስ እዩ?
17
ዒላኻን ዓይኒ ማይካን፥ ንኣኻ ጥራሕ ይኹኑ፤ ጓኖትውን ኣይካፈሉኻ።
18
ዒላኻ ብሩኽ ይኹን፤ ምስ ሰበይቲ ንእስነትካውን ደስ ይበልካ።
19
ንሳ ኸም ፍትውቲ ዋልያ፥ ከም ፅብቕቲ ሜዳቝ ትኹነልካ፤ ኣጥባታ ኵልሻዕ የዕግብካ፤ ብፍቕራውን ኵልሻዕ ፅገብ።
20
ኣታ ወደይ፥ ስለ ምንታይ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተፍቅር? ንምንታይከ ሰበይቲ እማትካ እትሓቍፍ?
21
እምበኣርከስ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
22
ሓጥእ ሰብ ብበደሉ ይሕንኰል፤ ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር።
23
ስለ ዘይተቐፅዐ ንሱ ይመውት፤ ብብዝሒ ድንቍርናኡ ድማ ይጋገ።
← Chapter 4
Chapter 6 →