bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 30
Proverbs 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዙይ ቃል ኣጉር ወዲ ያቄ፥ ሰብ ናይ ሃገር ማሳ እዩ፤ ንሱውን ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዙይ ይብል፦
2
ኣነ ብርግፅ ካብ ኵሉ ሰብ ዝደንቈርኩ እየ፤ ምስትውዓል ወዲ ሰብውን የብለይን።
3
ጥበብ ኣይተምሃርኩን፤ ብዛዕባ እቲ ቅዱስውን ዝፈልጦ የብለይን።
4
ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?
5
“ኵሉ ቓል እግዚኣብሄር ኵሉዕ እዩ፤ ንሱ ንዝእመንዎ ዋልታኦም እዩ።
6
ከይግስፀካ፥ ሓሳዊ ዄንካ ኸዓ ኸይትርከብስ፥ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።”
7
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ኽልተ ነገር ካባኻ እደሊ ኣለኹ፤ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንኣኣተን ኣይትኽልአኒ፤
8
ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”
10
“ምእንቲ ኸይፀርፈካ፥ በዳሊ ኸዓ ኸይትኸውንስ፥ ንባርያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።”
11
“ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤
12
ካብ ርኽሰት እንተይነፅሀ፥ ‘ኣነ ንፁህ እየ’ ዝብል ትውልዲ ኣሎ፤
13
ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤
14
ንምስኪናት ካብ ምድሪ፥ ንድኻታት ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኸጥፍእን ክጭርስን፥ ሰይፊ ዘስናኑ፥ ካራ ዝዀራርምቱ ትውልዲ ኣሎ።”
15
“ዓለቕቲ ‘ሃበና፤ ሃበና’ ዝብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ።” “ሰለስተ ዘይፀግቡ፥ አረ ይኣኽለና ዘይብሉ፥ ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፤
16
እዚኣቶም ከዓ፥ ሲኦል፥ ዘይትወልድ ማህፀን፥ ማይ ሰትያ ዘይትፀግብ መሬት፥ ይኣኽለኒ ዘይብል ሓዊ እዮም።”
17
“ናይቲ ነቦኡ ዘባጭወሉ፥ ንኖኡ ኸዓ ዝንዕቓን ዘይእዘዛን ኣዒንቲ፥ ኳዃት ሩባ ኽጕጥጕጥወን፥ ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።”
18
“የመና ዝገርሙኒ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፤ ነቲ ራብዓይ ግና ፈፂመ ኣየስተውዕሎን፤
19
ንሳቶም ከዓ፥ መንገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፥ መንገዲ ተመን ኣብ ኰዅሒ፥ መንገዲ መርከብ ኣብ ማእኸል ባሕሪ፥ መንገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ እዮም።”
20
“ግብሪ ዘማዊት ሰበይቲ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ከምኡውን በሊዓ ኣፋ እትሕብስሞ፥ ‘ሓደ ኽፉእ ነገር ኣይገበርኩን’ እትብል፥ መንገዲ ኣመንዝራ ሰበይቲ እያ።”
21
ምድሪ ብሰለስተ ነገር ትንቅጥቀጥ፤ አረ ነቲ ራብዓይስ ክትፆሮ ኣይትኽእልን፤
22
እዙይ ከዓ፥ ባርያ እንተ ነገሰ፥ ሰነፍ እንጀራ እንተ ፀገበ፥
23
ዝተፀልአት ሰበይቲ፥ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፥ ገረድ ንምበይታኣ እንተ ወረሰታ እዩ።
24
“ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ፥ ፍጥረታት ኣለዉ፤ ግናኸ ንሳቶም የመና ጥበበኛታት እዮም፦
25
ፃፀ ሓይሊ ዘይብሉ ፍጥረት እዩ፤ ግና ምግቡ ብሓጋይ ይእክብ።
26
ጊሔታት ሓይሊ ዘይብለን ፍጥረት እየን፤ ግና ሰፈረን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ይገብራ።
27
ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፤ ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ።
28
ምጭልቚት ብኢድካ ምሓዝ ዝከኣል እዩ፤ ግና ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ይነብር።”
29
ሰናይ ኣካይዳ ዝኸዱ፥ ሰለስተ ፍጥረታት ኣለዉ፤ እቲ ራብዓይውን ፅቡቕ ኣካይዳ ይኸይድ፤
30
ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥
31
ኣብ ማእኸል ኣንስትዮ፥ ብድፍረት ዝኸይድ ኣውራ ደርሆ፥ ንመጓሰ ዝመርሕ ኣውራ ጤል፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግልፂ ዝናገር ንጉስ እዮም።
32
“ርእስኻ ልዕል ልዕል ኣቢልካ ስንፍና እንተ ገበርካ፥ ወይ ክፉእ ክትገብር እንተ ሓሰብካ፥ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።
33
ፀባ እንተ ተሓቘነ፥ ጠስሚ የውፅእ፤ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዐ፥ ደም የውፅእ፤ ከምኡ ኸዓ ቝጥዓ እንተ ኣለዓዓልካ፥ ባእሲ ይፍጠር።”
← Chapter 29
Chapter 31 →