bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 29
Proverbs 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
2
ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ።
3
ጥበብ ዝፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ምስ ኣመናዝር ዝተዓራረኽ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4
ንጉስ ንሃገሩ ብፍትሒ የፅንዓ፤ ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ።
5
እቲ ንብፃዩ ብተንኰል ዘቀባጥረሉ፥ ነእጋሩ መፃወድያ የፃውደሉ።
6
ኣብ ገበን ክፉእ ሰብ መፃወዲያ ኣሎ፤ ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን።
7
ፃድቕ ሰብ ንመሰል ድኻታት ይሕለቕ፤ ሓጢኣተኛ ሰብ ግና ንፍልጠት ኣየስተውዕልን።
8
መላገፅቲ ሰባት ከተማኦም የቃፅሉ፤ ጠቢባን ግና ባእሲ የህድኡ።
9
ለባም ምስ ዓሻ እንተ ተፃልአ፥ እቲ ዓሻ ይስሕቕ ወይ ይናደድ፤ ዕረፍቲ እውን የብሉን።
10
መፍሰስቲ ደም፥ ንፍፁም ሰብ ይፀልእዎ፤ ነፍሲ እቲ ቕኑዕውን ይደልዩ።
11
ሰነፍ ሰብ ንዅሉ ዅራኡ የውፅኦ፤ ጠቢብ ግና ይዓግቶ፤ የህድኦውን።
12
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
13
ድኻን ግፍዐኛን ይራኸቡ፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህብ።
14
ንድኻታት ብሓቂ ዝፈርድ ንጉስ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ይፀንዕ።
15
በትርን ተግሳፅን ጥበብ ይህቡ፤ ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።
16
ሓጥኣን እንተ በዝሑ፥ ሓጢኣት ይበዝሕ፤ ፃድቃን ግና ውድቀቶም ይሪኡ።
17
ንውሉድካ ቕፅዓዮ ኸዕርፈካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ታሕጓስ ክህባ እዩ።
18
ራእይ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፤ ሕጊ ዝሕሉ ግና ዝተመስገነ እዩ።
19
ባርያ፥ ብቓል ኣይግሰፅን፤ እንተ ኣስተውዓሎ እኳ ኣይምለስን።
20
በነጋግራኡ ዝህወኽ ሰብ እንተ ርኢኻ፥ ካብኡ ንሰነፍ ዝሐሸ ተስፋ ኣለዎ።
21
እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ፥ ንባርያኡ ኣሐንቂቑ ዘዕቢ፤ ኣብ መወዳእታ ኸም ጐይታ ይኾኖ።
22
ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የለዓዕል፤ ሃለፍለፍ ዝብል ሰብ ከዓ ሓጢኣት የብዝሕ።
23
ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።
24
እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።
25
ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
26
ብዙሓት ሰባት ገፅ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27
ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።
← Chapter 28
Chapter 30 →