bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 31
Proverbs 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እኖኡ ዝመሃረቶ ናይ ማሳ ንጉስ ናይ ልሙኤል ቃል፦
2
“ኦ ወደይ፥ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፥ ኦ ፍረ ማህፀነይ እንታይ እዩ? ኣታ ውሉድ መብፅዓይ፥ እንታይ እሞ ኽብለካ እየ?
3
ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይተጥፍእ፤ መንገድኻውን ነገስታት ንዘጥፍኡ ኣይትሃብ።”
4
“ልሙኤል ስማዕ! ነገስታት ወይኒ ኽሰትዩ፥ መሳፍንቲ ‘ዘስክር መስተ ኽብህጉ?’ ኣይግባእን እዩ።
5
ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፥ መሰል ናይቶም ግፉዓት ከይግሕሱስ፥ መስተ ንነገስታት ግቡእ ኣይኮነን።”
6
“ብርቱዕ መስተ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፥ ወይኒ ኸዓ ነቶም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባት እዩ ዝግባእ።
7
ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፤ መከራኦም ከዓ ኣይዘክሩ።
8
ክንዲ በሃምን፥ ክንዲ ደኽታምን ኣፍካ ኽፈት።
9
ኣፍኻ ኽፈት ብሓቅውን ፍረድ፤ ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።”
10
ለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ።
11
ልቢ ሰብኣያ ይእመና፤ ምርኮውን ኣይጐድሎን።
12
ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ ትገብረሉ እምበር ክፉእ ኣይትገብርን።
13
ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ትደሊ፤ ተሓጒሳ ኸዓ በእዳዋ ትሰርሕ።
14
ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፤ ካብ ርሑቕ ሃገር ቀለባ ተምፅእ።
15
ገና ለይቲ እንተሎ፥ ትትስእ እሞ፥ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፥ ነግራዳ ኸዓ ሰስርሐን ተትሕዘን።
16
ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፤ ብፍረ ኣእዳዋ ገይራ ኸዓ ትተክል።
17
ሕቘኣ ኣበርቲዓ ትቕነት፤ ቅልፅማውን ተበርትዕ።
18
ኵሉ ንግዳ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ትርኢ፤ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
19
ኣእዳዋ ናብ መፍተል ትዝርግሕ፤ ኣፃብዕታ መፍተል ይሕዛ።
20
ኣእዳዋ ናብ ድኻ ትዝርግሕ፤ ናብ ፅጉማትውን ኣእዳዋ ትሰድድ።
21
ንዅሎም ስድራኣ ኻብ ቍሪ በረድ ዝተልዓለ ኣይትፈርሕን፤ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም፤ ስለዙይ ኣስሓይታ ኽወርድ እንተሎ ኣይትፈርሕን።
22
ንባዕላ ምንፃፋት ግብረ መርፍእን ስጋጃን ትሰርሕ፤ ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን።
23
ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።
24
ፅቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፤ ንነጋዶውን ቅናት ተቕርበሎም።
25
ሓይልን ክብረትን ክዳና እዩ፤ ነቲ ዳሕረዋይ ዘመን ከዓ ትስሕቖ።
26
ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፤ ትምህርቲ ሕጊ ርህራሄውን ኣብ መልሓሳ እዩ።
27
ኩነታት ቤተሰባ ብትግሃት ትከታተል፤ እንጀራ ትህኺትውን ኣይትበልዕን።
28
ደቃ ተሲኦም ብርኽቲ ኢኺ ይብልዋ፤ ሰብኣያ ድማ ኸምዙይ ኢሉ የመስግና፦
29
“ፅቡቕ ዝገበራ ብዙሓት ኣንስቲ ኣለዋ፤ ካብ ኵላተን ግና ንስኺ ትበልፂ ኢኺ።”
30
ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።
31
ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፤ ኣብ ደገታትውን ተግባራ ይንኣዳ።
← Chapter 30