bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 28
Proverbs 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓጥኣን ዝሰጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፤ ፃድቃን ግና ኸም ሽደን ኣንበሳ ተኣማሚኖም ይነብሩ።
2
ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።
3
ንምስኪን ዘጨንቕ ሰብ፥ ከምቲ ኣዝመራ ዘጥፍእ ብርቱዕ ዝናም እዩ።
4
ጠሓስቲ ሕጊ ንኽፉኣት ሰባት ይንእድዎም፤ ሕጊ ዝፍፅሙ ግና ይቃወምዎም።
5
ክፉኣት ሰባት ፍትሒ ኣየስተውዕሉን፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝእዘዝዎ ግና፥ ንዅሉ የስተውዕልዎ።
6
ብቐይናን መንገዲ ኻብ ዝኸይድ ሃብታም፥ ብቕንዕና ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
7
ንሕጊ ዝሕልዎ፥ መስተውዓሊ ውሉድ እዩ፤ ምስ ዘይረብሕ ዝተዓራረኽ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
8
እቲ ብሃረፃን ብዘይግባእ ረብሓን ሃብቲ ዘብዝሕ፥ ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ።
9
እቲ ንሕጊ ኸይሰምዕ እዝኑ ዝደፍን ሰብ፥ ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ።
10
እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ ክፉእ መንገዲ ዝመርሖም፥ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፤ እቶም ፍፁማን ግና፥ ሰናይ ነገር ክወርሱ እዮም።
11
ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝኾነ ይመስሎ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ግና ይዕዘቦ።
12
ፃድቃን እንተ ሰዓሩ፤ ዓብዪ ኽብሪ ኣሎ፤ ክፉኣት ሰባት ስልጣን እንትሕዙ ግና፥ ህዝቢ ይሕባእ።
13
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
14
ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
15
ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
16
ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፤ ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር።
17
ቀታሊ ሰብ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ይሃድም፤ ሓደ እኳ ኣየፀግዖን።
18
ብዘይ ነቐፋ ዝመላለስ ይድሕን፤ ብቐይናን መንገዲ ዝኸይድ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ይወድቕ።
19
ግራቱ ዝሓርስ እንጀራ ይፀግብ፤ ደድሕሪ ምናምን ዝስዕብ ግና ይደኪ።
20
ቅኑዕ ሰብ የመና ይባረኽ፤ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዝህወኽ ግና፥ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
21
ኣድልዎ ግቡእ ኣይኮነን፤ ምእንቲ ቝራስ እንጀራ ምብዳልውን፥ ፅቡቕ ኣይኮነን።
22
መንቀኛ ሰብ ክህብትም ይሃፅፅ፤ ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን።
23
ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥር፤ እቲ ንሰብ ዝግስፅ ደሓር ሞገስ ይረክብ።
24
እቲ “ሓጢኣት ኣይኮነን” እናበለ፥ ካብ ኣቦኡን እኖኡን ዝሰርቕ፥ ዓርኪ ሰራቒ እዩ።
25
ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ።
26
ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ፤ እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን።
27
ንድኻ ዝህብ ኣይጐድሎን፤ ኣዒንቱ ዝዕምት ግና፥ ብዙሕ መርገም ይወርዶ።
28
ሓጥኣን ሰባት እንተ ተሸሙ ሰባት ይሕብኡ፤ እንተ ጠፍኡ ግና ፃድቃን ይበዝሑ።
← Chapter 27
Chapter 29 →