bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 27
Proverbs 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።
2
ካልእ ይንኣድካ እምበር ኣፍካ ኣይኮነን፤ ካልእ ይወድስካ እምበር ከናፍርካ ኣይኮነን።
3
እምኒ ኸቢድ እዩ፤ ሑፃ ኸዓ ሸኽሙ ረዚን እዩ፤ ካብ ክልቲኡ ግና ቝጥዓ ሰነፍ ይኸብድ።
4
ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?
5
ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ።
6
ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ።
7
ዝፀገበት ነፍሲ ወለላ መዓር ትረግፅ፤ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና፥ ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8
ካብ ቤቱ ወፂኡ ዝዅብልል ሰብ፥ ሰፈራ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዒፍ እዩ።
9
ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ።
10
ፈታዊኻን ፈታዊ ኣቦኻን ኣይትሕደግ፤ ብመዓልቲ መከራኻ እንዳ ሓውካ ኣይትኺድ፤ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓው፥ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት የሐይሽ።
11
ወደይ! ንዝፀርፈኒ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእልስ፥ ለባም ኩን፤ ንልበይውን ኣሐጕሶ።
12
መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ዘየስተውዕል ግና ጠጒጉ ይኣትዎ እሞ ብእኡ ይጕዳእ።
13
ንጓና ኻብ ዝተውሓሰ ሰብ ክዳኑ ውሰድ፤ ንዘይፈልጦ ንዝወሓስ ከዓ ዕገቶ።
14
ኣጋ ወጋሕታ ዓው ኢሉ ንብፃዩ ዝምርቕ፤ ከም ዝረገሞ እዩ ዝቝፀር።
15
ብመዓልቲ ጥምቕ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ቤትን፥ ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16
ንኣኣ ምዕጋት፥ ንንፋስ ምዕጋትን፥ ብኢድካ ዘይቲ ምዕዃትን እዩ።
17
ሓፂን፥ ንሓፂን ይስሕሎ፥ ሰብ ከዓ ንብፃዩ ይስሕሎ።
18
ንበለሱ ዝከናኸን፥ ፍረኡ ይበልዕ፥ ንጐይታኡ ዝከናኸን ከዓ ይኸብር።
19
ከምቲ ማይ ገፅ ንገፅ ዘርእዮ፥ ልብኻውን ከምኡ፥ ናይ ባዕልኻ ኹነታት የርእየካ።
20
ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።
21
ወርቂ ብሓዊ፥ ብሩር ብመምከኺ ይፍተን፤ ሰብ ከዓ በቲ ዝቕበሎ ናእዳ ይምዘን።
22
ንዓሻ ምስ እኽሊ፥ ኣብ መጕእ እንተ እትፈፅሖ እኳ፥ ዕሽነቱ ኣይሓድጎን።
23
ሃለዋት ኣባጊዕኻ ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፤
24
ሃብቲ ንሓዋሩ፥ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።
25
ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥
26
ካብ ፀጕሪ ኣባጊዕኻ ኽዳን ትረክብ፤ ዲበላታትካ መዐደጊ ግራት ይኾኑኻ፤
27
ኣጣልካ ኸዓ ንኣኻን ንስድራኻን ንኣግራድካን ዝምግብ ፀባ ኽህባኻ እየን።
← Chapter 26
Chapter 28 →