bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 22
Proverbs 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፅቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይምረፅ፤ ሞገስ ከዓ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይበልፅ።
2
ሃብታምን ድኻን ተራኸቡ፤ ንዅላቶም ዝፈጠሮም እግዚኣብሄር እዩ።
3
መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ገርህታት ግና ይሓልፉሞ ብእኡ ይጕድኡ።
4
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕን ትሕትናን፥ ሃብትን ክብርን ህይወትን እዩ።
5
ኣብ መንገዲ ቐይናን እሾዅን መፈንጠርን ኣሎ፤ ነፍሱ ዝሕሉ ግና ኻብኡ ይርሕቕ።
6
ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ምርሓዮ፤ ምስ ዓበየውን፥ ካብኣ ኣየግልስን እዩ።
7
ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፤ ተላቃሒ ኸዓ፥ ባርያ መለቅሒ እዩ።
8
ሓጢኣት ዝዘርእ መከራ ይዓፅድ፤ በትሪ ቝጥዓኡ ድማ ይጠፍእ።
9
ካብ እንጀራኡ ንድኻ ኣካፊሉ እዩሞ፥ ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን።
10
ንመላገፂ ስጐጎሞ ጐይቊ ኽውገድ እዩ፤ ባእስን ፀርፍን ከዓ ኽውዳእ እዩ።
11
ንፅህና ልቢ ዝፈቱ፥ ሞገስ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፥ ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።
12
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይሕልዋኣ፤ ንሱ ግና ንቓላት ጠለምቲ ይግልብጦ።
13
ሃካይ “ኣብ ወፃኢ ኣንበሳ ኣሎ፤ ኣብ ማእኸል መንገዲ ኽመውት እየ” ይብል።
14
ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዝተቘጥዖ ኸዓ ኣብኣ ይወድቕ።
15
ስንፍና ኣብ ልቢ ህፃን ተኣሲሩ ኣሎ፤ በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ።
16
ክህብትም ኢሉ ንድኻ ዝጭቍን፥ ንሃብታምውን ዝህብ፥ ኣብ ድኽነት ይወድቕ።
17
እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ቓላት ጠቢባን ስማዕ፤ ልብኻውን ናብ ትምህርተይ ኣቕልብ፤
18
ንኣኣተን ኣብ ልብኻ ኣፅኒዕኻ እንተ ሒዝካየን፥ ኣብ ከንፈርካውን ዝተዳለዋ እንተ ኾይነን፥ ሰናይ ነገር ክኾነልካ እዩ።
19
እምነትካ ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ እንሆ ሎሚ ኣነ ንኣኻ ኣፍልጠካ ኣለኹ።
20
ንዝጥይቑኻውን ቃል ሓቂ፥ ምምላስ ምእንቲ ኽትክእል ብምኽርን ብፍልጠትን፥ ዝኸበረ ነገርዶ ኣይፀሓፍኩልካን?
21
እዚኣተን፥ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ክምህራኻ እየን።
22
ንድኻ፥ ኣይተገድዶ፥ ድኻ እዩሞ፤ ንፅጉም ድማ ኣብ በሪ ኣይትድፍኣዮ።
23
እግዚኣብሄር ነቲ ፍርዶም ክፋረደሎም እዩሞ፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ።
24
መንገዶም ምእንቲ ኸይትመሃር እሞ፥ ንነፍስኻ ኸይተፃውደላ፥ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፤ ምስ ቍጡዕ ኸዓ ኣይትኺድ።
26
ከምቶም ኢዶም ዝጠቕዑ፥ ንበዓል ዕዳውን ዝወሓሱ ኣይትኹን፤ ምፍዳይ ምስ ሰኣንካ፥ ንምንታይ መንፀፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዝውሰድ?
28
ኣቦታትካ ዘቖምዎ፥ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ።
29
ብሞያኡ ኽኢላ ንዝኾነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን።
← Chapter 21
Chapter 23 →