bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 23
Proverbs 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምስ በዓል ስልጣን ኣብ ማእዲ እንተ ተሰሪዕኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ መን ከም ዘሎ፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህል፤
2
ህንፉፍ እኳ እንተ ኾንካ፥ ኣብ ጐረሮኻ ኻራ ግበር።
3
እንጀራ ሓሰት እዩሞ፥ ንጥዑም ብልዒ ኣይትብሃጎ።
4
ድልየትካ ንምግታእ ጥበብ ይሃሉኻ እምበር፥ ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትድከም።
5
ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
6
እንጀራ ስሱዕ ኣይትብላዕ፤ ጣዕሚ ብልዑ ኸዓ ኣየብህግካ፤
7
ብልቡ ኸም ዝሓሰበልካ፥ “ብላዕ፥ ስተ” ይብለካ፤ ግና ልቡ ምሳኻ ኣይኮነን፤
8
ነቲ ዝበላዕኻዮ ምግቢ ኽትተፍኦ ኢኻ፤ ነቲ ፅቡቕ ዘረባኻውን ክተጥፍኦ ኢኻ።
9
ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ቓልካ ይንዕቖ እዩሞ፤ ኣብ እዝኒ ዓሻ፥ ቁም ነገር ዘለዎ ዘረባ ኣይትዛረብ።
10
ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ፤ ናብ ግራት ደኽታማት ከዓ ኣይትእቶ።
11
ተቤዛዊኦም እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ እዩ እሞ፤ ባዕሉ ኽንዳኣቶም ክፋረደካ እዩ።
12
ልብኻ ንተግሳፅ፥ እዝንኻ ኸዓ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
13
ንቘልዓ ብጨንገር ምቕፃዕ ኣይቐትሎን እዩሞ፥ ንቘልዓ ኻብ ምቕፃዕ ሸለል ኣይትበል።
14
ብጨንገር ትቐፅዖ፤ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ተድሕና።
15
ወደይ፥ ልብኻ መስተውዓሊ እንተ ኾይኑ፥ ልበይ ይሕጐስ፤
16
ከናፍርካውን ቅንዕና እንትዛረባ፥ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።
17
ኵሉ መዓልቲ ደኣ ፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ይሃሉኻ እምበር፥ ልብኻ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
18
እዙይ እንተ ደኣ ጌርካ ብርግፅ ፍፃሜ ኣለካ፤ ተስፋኻ ድማ ኸንቱ ኣይኸውንን እዩ።
19
ኣታ ወደይ፥ ስማዕ ለባምውን ኩን፤ ንልብኻ ኸዓ ብቕኑዕ መንገዲ ምርሓዮ።
20
ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፤ ምብዛሕ ድቃስውን፥ ዝተቀዳደደ ጨርቂ የኽድን እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰተይቲ ወይንን፥ ኣብ ማእኸል ህሩፋት በላዕቲ ስጋን ኣይትቀመጥ።
22
ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፤ ንኖኻውን፥ ምስ ኣረገት ኣይትንዓቃ።
23
ንሓቂ ዓድጋ እምበር ኣይትሽጣ፤ ንሓቂ ንጥበብ ንተግሳፅ ንምስትውዓልን ድማ ገንዘብካ ግበረን።
24
ኣቦ ፃድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፤ ጥበበኛ ውሉድ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ደስ ይብሎ።
25
ኣቦኻን እኖኻን ብኣኻ ይተሓጐሱ፤ እታ ንኣኻ ዝወለደት ድማ ደስ ይበላ።
26
ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ።
27
ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፤ ዘማዊት ሰበይቲ ድማ ፀባብ ጕድጓድ እያ፤
28
ከም ከታሪ ትፀናቶ፤ ብዙሓት ወስላታታትውን ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ተብዝሕ።
29
ዋይዋይታ፥ ንመንዩ? ባእሲ፥ ንመንዩ? ሓዘን፥ ንመንዩ? ብኽያት፥ ንመንዩ? ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል፥ ንመንዩ? ምቕያሕ ዓይኒ፥ ንመን እዩ? ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጕዩ፥ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርፁ ዝእከቡዶ ኣይኮነን!
31
ንወይኒ ምቕያሑ፥ ኣብ ብርለ ብርቕርቕ ምባሉ፥ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትመልከት።
32
ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።
33
ኣዒንትካ ንኣመንዝራታት ይሪኣ፤ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።
34
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ለጥ ከም ዝበለ፥ ኣብ ጫፍ ዓምዲ መርከብ፥ ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን።
35
“ወቒዖምኒ፥ ግና ኣይተጐዳእኹን፤ ዘቢጦምኒ እዮም፤ ግና ኣይተፈለጠንን፤ መሊሰ ኽደልዮ ኸዓ፥ መኣዝ እየ ዝነቅሕ?” ክትብል ኢኻ።
← Chapter 22
Chapter 24 →