bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 21
Proverbs 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።
2
ኵሉ ሰብ፥ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን።
3
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
4
ትዕቢተኛ ዓይንን፥ ትምክሕተኛ ልብን፥ ናይ ክፉኣት ግራት፥ ሓጢኣት እዩ።
5
ትልሚ ትጉህ፥ ናብ ረብሓ ይመርሕ፤ ታህዋኽ ግና ናብ ስእነት እዩ ዘውድቕ።
6
ብሓሳዊ መልሓስ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ ከም ግመ በኒኑ ይጠፍእ፤ ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ።
7
ቅንዕና ምግባር ኣይፈትዉንሞ፥ ዓመፅ ሓጢኣተኛታት ንባዕላቶም የጥፍኦም።
8
መንገዲ በደለኛ ቐይናን እያ፤ ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
9
ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምንባር፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
10
ነፍሲ ሓጥእ ክፉእ ትምነ፤ ብፃዩውን ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ኣይረክብን።
11
መላገፂ እንትቕፃዕ፥ ዘይፈልጥ ሰብ ጥበብ ይረክብ፤ ለባም እንትግሰፅ ፍልጠት ይውስኽ።
12
ፃድቕ ስለ ቤት ሓጥእ ይሓስብ፤ ንኽፉኣት ድማ የጥፍኦም።
13
እቲ ኣውያት ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝደፍን፥ ንሱ ባዕሉ የእዊ፥ ዝሰምዖ ግና የለን።
14
ብስዉር ዝኣተወ ገፀ በረኸት ኵራ የህድእ፤ ሕቡእ ውህብቶውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።
15
ቅኑዕ ፍትሒ፥ ንፃድቕ ሓጐስ እዩ፤ ንገበርቲ ዓመፃ ግና ጥፍኣት እዩ።
16
እቲ ኻብ ምስትውዓል መንገዲ ዘግልስ ሰብ፥ ኣብ ጉባኤ ምውታን ይቕመጥ።
17
ምቾት ዝፈቱ ይደኪ፤ ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ኸዓ ኣይህብትምን።
18
ሓጥእ፥ ቤዛ ፃድቕ እዩ፤ ጠላሚ ድማ ቤዛ ቕኑዕ ሰብ እዩ።
19
ምስ ናግራምን መሰቀቒትን ሰበይቲ ካብ ምንባር፥ ኣብ በረኻ ምንባር ይሐይሽ።
20
ኣብ ቤት ለባም ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፤ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
21
ፅድቕን ምሕረትን ዝኽተል፥ ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ።
22
ጥበበኛ ናብ ከተማ ሓያላት ይኣቱ፤ ንዝተኣማመኑሉ ዕርዶምውን የፍርስ።
23
ኣፉን መልሓሱን ዝዕቅብ ሰብ፥ ንሰብነቱ ኻብ መከራ ይሕልዋ።
24
ዕቡይን ምኩሕን ሰብ “መላገፂ” እዩ ስሙ፤ ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።
25
ኣእዳዉ ኽሰርሓ ኣይደልያንሞ፤ ንሃካይ ትምኒቱ ትቐትሎ።
26
ንሱ ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ይምነ፤ ፃድቕ ግና ይህብ፤ ኣይስስዕንውን።
27
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።
28
ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፤ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር።
29
ክፉእ ሰብ ገፅ ድርቅና የርኢ፤ ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ።
30
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
31
ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፤ ዓወት ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
← Chapter 20
Chapter 22 →