bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 20
Proverbs 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።
2
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል።
3
ንሰብ ካብ ጐይቊ ምርሓቕ ክብረቱ እዩ፤ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ።
4
ሃካይ ሰብ፥ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሓርስን፤ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ድማ ይልምን፤ ግና ኣይረክብን።
5
ምኽሪ፥ ኣብ ልቢ ሰብ፥ ከምቲ ኣብ ዓሚቝ ዒላ ዘሎ ማይ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ግና ይቐድሖ።
6
“ብዙሓት ሰባት ሕያዋይነቶም የውርዩ፤ ግና ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ!
7
ፃድቕ ብዘይ ነውሪ ይነብር፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ደቁ ቡሩኻት እዮም።
8
ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዝተቐመጠ ንጉስ፥ ክፍኣት ንዝኾነ ዅሉ በዒንቱ ይፈልዮ።”
9
“ልበይ ፅሩይ እዩ፤ ካብ ሓጢኣተይ ከዓ ነፂሐ እየ” ኽብል ዝኽእል መን እዩ?
10
ክልተ ዓይነት ሚዛንን፥ ክልተ ዓይነት መስፈሪን፥ እዚኣተን ክልቲአን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹሳት እየን።
11
ህፃን ቅኑዕን ንፁህን ምዃኑ፥ ብዝገብሮ ስራሕ ይፍለጥ።
12
ንትሰምዕ እዝንን ንትርኢ ዓይንን ንኽልቲአን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።
13
ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፥ ድቃስ ኣይትፍቶ፤ ዓይንኻ ኽፈት፤ ሽዑ እንጀራኻ ኽትፀግብ ኢኻ።
14
ዓዳጊ “ሕማቕ እዩ፥ ሕማቕ እዩ” እናበለ ይዕድግ፤ መንገዱ ምስ ከደ ግና ይምካሕ።
15
ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን ይርከብ፤ ፈላጣት ከናፍር ግና ኽቡራት ኣቑሑ እየን።
16
ንዘይፈልጦ ንዝተውሓሰ ሰብ፥ ክዳኑ ውሰድ፤ ክንዲ እቲ ዘይፈልጦውን ንእኡ ዕገቶ።
17
እንጀራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፤ ደሓር ግና ኣፉ ፀፀር ይመልእ።
18
ሓሳብ ብምኽሪ ትፀንዕ፤ ብጥበብ ተመሪሕኻውን ተዋጋእ።
19
እቲ እናዞረ ዝሓሚ ምስጢር የውፅእ፤ ከንፈሩ ምስ ዘሞጥሙጥ ሰብውን ኣይትራኸብ።
20
እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀርፍ፥ ግብ ኣብ ዝበለ ፀልማት መብራህቱ ይጠፍእ።
21
እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ መወዳእታኡ ኣይባረኽን እዩ።
22
“ሕነይ ክፈዲ” ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ።
23
ክልተ ዓይነት ሚዛን ብእግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ መታለሊ ሚዛን ከዓ ሰናይ ኣይኮነን።
24
ኣካይዳ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመንገዱ ዘስተውዕላ?
25
ሰብ ብታህዋኽ እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ እየ ኢሉ ምስተመባፅዐ፥ ድሕሪ መብፅዓ እንተ ተናስሐ፥ እዙይ መፃወድያ እዩ።
26
ለባም ንጉስ ነቶም ረሲኣን ብመስአ የዝርዎም፤ መንኰራዅሩውን ኣብ ልዕሊኣቶም የንኰርኵረሎም።
27
ናይ ሰብ መንፈስ፥ መብራህቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዘሎ ዅሉ ይምርምሮ።
28
ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልውዎ፤ ዙፋኑ ድማ ብቕንዕና ትፀንዕ።
29
ሓይሊ፥ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፤ ሲበት ድማ ንኣረጋውያን ሽልማቶም እዩ።
30
ስምብራት ዝሓድግ መውቃዕቲ፥ ንኽፍኣት የንፅህ፤ መግረፍቲ ኸዓ ንውሽጢ ልቢ የፅርዮ።
← Chapter 19
Chapter 21 →