bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 19
Proverbs 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብኸናፍሩ ኻብ ዝውስልት ሰነፍ፥ ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
2
ነፍሲ፥ ብዘይ ፍልጠት ክትከውን ሰናይ ኣይኮነን፤ ቅልጡፍ እግሪ ኸዓ መንገዲ ይስሕት።
3
ሰብ ብስንፍናኡ መንገዱ የቐይንን፤ ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር።
4
ሃብቲ፥ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፤ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይርሕቖ።
5
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን።
6
ንለጋስ ሰብ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፤ ነቲ ውህብቶ ዝህብ ድማ ዅሎም ፈተውቱ ይኾኑ።
7
ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይፀልእዎ፤ ፈተውቱ ግዳ ኻብኡ ኽንደይ ዘይርሕቑ! ብቓላት ይስዕቦም፥ ግናኸ ኣይረብሕዎን።
8
ጥበብ ዘጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፤ ንምስትውዓል ዝሕልዋ ኸዓ ሰናይ ይረክብ።
9
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ይጠፍእ።
10
ንሰነፍ ሕንቃቐ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊ እኳ ንባርያ፥ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።
11
ምስትውዓል፥ ንሰብ ካብ ኵራ ደንጓዪ ይገብሮ፤ ምሕዳግ በደል ከዓ ኽቡር ይገብሮ።
12
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።
13
ሰነፍ ውሉድ ነቦኡ ሓዘን እዩ፤ ተጓያቚት ሰበይቲ ኸዓ ኸምቲ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ናሕሲ እያ።
14
ቤትን ሃብትን ካብ ወለዲ ይውረስ፤ ለባም ሰበይቲ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እያ።
15
ስራሕ ምፍታሕ ድቃስ የምፅእ፤ ነፍሲ ሃካይ ከዓ ትጠሚ።
16
ትእዛዝ ዝሕሉ ንነፍሱ ይሕሉ፤ መንገዱ ሸለል ዝብል ከዓ ይመውት።
17
እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
18
ገና ተስፋ እንተሎ ንወድኻ ቕፅዓዮ፤ ምሟቱውን ኣይትድለ።
19
ቍጡዕ ሰብ ቅፅዓቱ ይኸፍል፤ እንተናገፍካዮ ድማ መሊስካ ተግድዶ።
20
ምኽሪ ስማዕ፥ ተግሳፅውን ተቐበል፤ ኣብ መወዳእታኻ ኸዓ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ።
21
ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳብ ኣሎ፤ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር።
22
ንሰብ ርህራሄኡ እዩ ገይፁ፤ ካብ ሓሳዊ ሃብታም ሓቀኛ ድኻ ይሐይሽ።
23
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናብ ህይወት ይመርሕ፤ እቲ ዝፈርሖውን ፀጊቡ ይሓድር፤ ክፉእ ከዓ ኣይረኽቦን።
24
ሃካይ ንኢዱ ናብ ፃሕሊ የእትዋ፤ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።
25
እቲ ገርሂ ምእንቲ ኽጥንቀቕ፥ ንመላገፂ ቕፅዓዮ፤ ንመስተውዓሊ እንተ ገሰፅካዮ፥ ፍልጠት ይረክብ።
26
እቲ ነቦኡ ዝገፍዕ፥ ንኖኡውን ዝሰጒጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።
27
ወደይ፥ ነቲ ኻብ ፍልጠት ዘርሕቐካ ምኽሪ ኣይትስምዓዮ።
28
ወስላታ ምስክር ኣብ ፍትሒ የባጩ፤ ኣፍ ሓጥእ ከዓ በደል ይውሕጥ።
29
ንመላገፅቲ ፍርዲ፥ ንዝባን ዓያሹ ኸዓ በትሪ ተዳልዩሎም ኣሎ።
← Chapter 18
Chapter 20 →