bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 18
Proverbs 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምፍላይ ዝፈቱ ትምኒቱ ይኽተል፤ ንዅሉ ሰናይ ጥበብውን ይቃወም።
2
ሰነፍ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ደኣ ኽገልፅ ይፈቱ እምበር፥ ክፈልጥ ኢሉ ኣይፅዕርን እዩ።
3
ክፍኣት እንትመፅእ ንዕቐት ትመፅእ፤ ምስ ነውሪ እውን ፀርፊ ይመፅእ።
4
ቃላት ኣፍ ሰብ፥ ዓሚቝ ማያት እዩ፤ ፍልፍል ጥበብ ድማ ወሓዚ ሩባ እዩ።
5
ፍርዲ ፃድቕ ምእንቲ ኽቕይንን፥ ንሓጥእ ሰብ ምድጋፍ ግቡእ ኣይኮነን።
6
ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፤ ኣፉ ኸዓ ንበትሪ ትፅውዕ።
7
ኣፍ ዓሻ ንእኡ መጥፊኢኡ እዩ፤ ከናፍሩ ኸዓ ንነፍሱ መፃወድያ እየን።
8
ቃላት ጠባዊ እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፤ ንሱ ኽሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ድማ ይኣቱ።
9
ብስራሕ ሃካይ ዝኾነ፥ ሓው በታኒ ገንዘብ እዩ።
10
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
11
ንሃብታም ሰብ፥ እቲ ሃብቱ ፅኑዕ ኸተማኡ እዩ፤ ብሓሳቡ ኸዓ ኸም ልዕል ዝበለ ቕፅሪ እዩ።
12
ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።
13
እንተይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ፥ ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ።
14
ነፍሲ ሰብ እንተ ሓመመ፥ መንፈሱ ይድግፎ፤ ንዝተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል?
15
ልቢ መስተውዓሊ፥ ፍልጠት የጥሪ፤ እዝኒ ጠቢባን ከዓ ፍልጠት ትደሊ።
16
ንሰብ ውህብቶኡ ኣፍ ደገ ይኸፍተሉ፤ ናብ ዓበይቲ ሰባት ከዓ የእትዎ።
17
እቲ በዓል ነገሩ፥ መፂኡ ኣፀቢቑ ክሳዕ ዝምርመር፥ እቲ ኣቐዲሙ ዘስምዕ ሰብ፥ ሓቀኛ ይመስል።
18
ዕፃ ንባእሲ ይከላኸል፤ ኣብ ማእኸል ሓያላትውን ይብይን።
19
ዝተበደለ ሓው፥ ከም ዝተዓረደ ኸተማ ፅኑዕ እዩ፤ ባእሱ ድማ ኸም መሀርሀሪ ዕርዲ እዩ።
20
ከብዲ ሰብ፥ ካብ ፍረ ኣፉ ይመልእ፤ ብእቶት ከናፍሩ ድማ ይፀግብ።
21
ሞትን ህይወትን፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም፤ እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም።
22
ሰበይቲ ዝረኸበ፥ በረኸት ረኸበ፤ ካብ እግዚኣብሄርውን ሞገስ ይቕበል።
23
ድኻ ብቕብጥሮት ይዛረብ፤ ሃብታም ግና ብትረት ይምልስ።
24
ፈተውቲ ዘብዝሕ ሰብ ይጠፍእ፤ ግና ኻብ ሓው በሊፁ ዝቐርብ ፈታዊውን ኣሎ።
← Chapter 17
Chapter 19 →