bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 15
Proverbs 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ልዙብ መልሲ ንቝጥዓ የህድኦ፤ ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ።
2
ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።
3
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፤ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ከዓ ይምልከታ።
4
ልዝብቲ ኣንደበት ኦም ህይወት እያ፤ ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር።
5
ሰነፍ ንምኽሪ ኣቦኡ ይንዕቖ፤ ዘለፋ ዝቕበል ግና፥ በዓል ኣእምሮ እዩ።
6
ኣብ ገዛ ፃድቕ ብዙሕ ሃብቲ ኣሎ፤ መዝገብ ሓጥእ ግና ህውከት እዩ።
7
ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዘርኣ፤ ልቢ ዓያሹ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን።
8
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
9
መንገዲ ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ፅድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ።
10
ቅኑዕ መንገዲ ሓዲጉ ኽፉእ ንዝገብር፥ ብርቱዕ መቕፃዕቲ ይወርዶ፤ ተግሳፅ ዝፀልእውን ይመውት።
11
ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፈለጡ እዮም፤ ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ።
12
መላገፂ ሰብ ዝግስፆ ኣይፈቱን፤ ናብ ጠቢባንውን ኣይኸይድን።
13
ሕጉስ ልቢ ገፅ የብርህ፤ ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር።
14
በዓል በሊሕ ኣእምሮ ፍልጠት ይደሊ፤ ኣፍ ዓያሹ ግና ኣብ ስንፍና ይዋፈር።
15
ልቡ ዝሓዝን ሰብ፥ ዘመኑ ዝኸፍአት እያ፤ ሓጐስ ልቢ ግና ዅልሻዕ ደስ ዘብል ማእዲ እዩ።
16
ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።
17
ምስ ፅልኢ ስቡሕ ስጋ ኻብ ምብላዕ፥ ምስ ፍቕሪ ሓምሊ ምብላዕ ይሐይሽ።
18
ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።
19
መንገዲ ሃካይ ከም ሓፁር ዕሾኽ እያ፤ መንገዲ ፃድቃን ግና ዝተደላደለት ጐደና እያ።
20
ለባም ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ሰነፍ ውሉድ ግና ንወላዲቱ ይንዕቓ።
21
ስንፍና ነቲ ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ ደስታኡ እዩ፤ ለባም ግና ኣካይዳኡ የቕንዕ።
22
ምኽሪ እንትጐድል፥ እቲ ዝተሓሰበ እንተይተሳኽዐ ይተርፍ፤ ብዙሓት መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ ግና ይሳለጥ።
23
ሰብ ብመልሲ ኣፉ ይሕጐስ፤ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ዝዝረብ ቃል፥ ክንደይ ፅቡቕ እዩ!
24
ለባም ሰብ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ንኽርሕቕ፥ መንገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።
25
እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት የዕንዎ፤ ንደረት ምድሪ መበለት ግና የፅንዖ።
26
ሓሳብ ዓመፅቲ ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ልዙብ ቃላት ኣብ ቅድሚኡ ንፁህ እዩ።
27
ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።
28
ልቢ ፃድቕ ዝምልሶ ይሓስብ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት የፈልፍል።
29
እግዚኣብሄር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፤ ንፀሎት ፃድቃን ግና ይሰምዖ።
30
ብርሃን ዓይኒ ንልቢ የሐጉሶ፤ ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም።
31
እታ ናብ ህይወት ዘብፅሕ ተግሳፅ፥ እትሰምዕ እዝኒ፥ ኣብ ማእኸል ጠቢባን ትነብር።
32
እቲ ንተግሳፅ ሸለል ዝብል፥ ንነፍሱ ይንዕቓ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይልብም።
33
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፤ ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ።
← Chapter 14
Chapter 16 →