bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 16
Proverbs 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
2
ሰብ ኵሉ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንፁህ እዩ፤ መንፈስ ዝምዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።
3
ኵሉ እትገብሮ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃቦ፤ ትልምኻውን ክሰልጠልካ እዩ።
4
እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።
5
ኵሉ ብልቡ ዝዕበ ብእግዚኣብሄር ርኹስ እዩ፤ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
6
ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።
7
ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።
8
ካብቲ ብዓመፅ ዝርከብ ብዙሕ እቶት፥ እቲ ብፅድቂ ዝርከብ ውሑድ እቶት ይሐይሽ።
9
ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
10
ብይን እግዚኣብሄር ኣብ ከናፍር ንጉስ እዩ፤ ኣፉውን ብፍርዲ ኣይጋገን።
11
ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዮም፤ ናይ ኵሉ ኸረጢት መምዘኒ ኸዓ ስራሑ እዮም።
12
ዙፋን ብፅድቂ እዩ ዝፀንዕሞ፥ ግፍዒ ምስራሕ ብነገስታት ፅሉእ እዩ።
13
ሓቀኛታት ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፤ ነቲ ቕንዕና ዝዛረብውን ይፈትዉዎ።
14
ቍጥዓ ንጉስ ከም ልኡኽ ሞት እዩ፤ ለባም ግና የህድኦ።
15
ገፅ ንጉስ እንተ በርሀ፥ ህይወት እዩ፤ ሞገሱ ኸዓ ኸም ደመና ፅብሓት እዩ።
16
ካብ ምጥራይ ወርቂ፥ ክንደይኮን ምጥራይ ጥበብ ይበልፅ! ካብ ምጥራይ ብሩር፥ ክንደይኮን ምጥራይ ፍልጠት ይኸብር!
17
መንገዲ ቕኑዓት ካብ ክፉእ ምርሓቕ እዩ፤ እቲ ንመንገዱ ዝጥንቀቕ ድማ ንነፍሱ ይሕልዋ።
18
ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።
19
ምስ ዕቡያን ምርኮ ኻብ ምክፋልስ፥ ብትሑት መንፈስ ምስቶም ድኻታት ምዃን ይሐይሽ።
20
ነቲ ቓል ዘቕልበሉ፥ ሰናይ ነገር ይረክብ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ።
21
ልቡ ጥበበኛ ዝኾነ መስተውዓሊ ይበሃል፤ ብኸንፈሩውን ጥዑም ትምህርቲ የብዝሕ።
22
ፍልጠት፥ ንዘጥርያ ሰብ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ስንፍና ግና ነቶም ሰነፋት መቕፃዕቶም እያ።
23
ልቢ ብልሓተኛ ንኣፉ ይምህር፤ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኽ።
24
ልዙብ ቃል ወለላ መዓር እዩ፤ ንነፍስኻ ጥዑም፥ ነዕፅምትኻ ኸዓ ፈውሲ እዩ።
25
ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።
26
ድልየት ዕለታዊ ምግቡ፥ ንሰራሕተኛ ፃዕራም ይገብሮ፤ ጥምየትውን ይደፋፍኦ።
27
ክፉእ ሰብ፥ ክፍኣት ይፍሕር፤ ኣብ ከንፈሩውን ዝነድድ ሓዊ ኣሎ።
28
ጠዋይ ሰብ ፅልኢ ይዘርእ፤ ሓማዪ ሰብ ከዓ፥ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
29
ዓመፀኛ ሰብ ንብፃዩ ይሓባብሎ፤ ሰናይ ናብ ዘይኮነት መንገዲ ኸዓ ይመርሖ።
30
በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፤ ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም።
31
ሰያብ ፀጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፤ ብመንገዲ ፅድቂ ድማ ይርከብ።
32
ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።
33
ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
← Chapter 15
Chapter 17 →