bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 14
Proverbs 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንፅ፤ ዓሻ ግና በገዛ ኢዳ ተፍርሶ።
2
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ብቕንዕና ይኸይድ፤ መንገዲ ዘቐይንን ግና ይንዕቖ።
3
ኣብ ኣፍ ዓሻ በትሪ ትዕቢት ኣሎ፤ ለባማት ግና ብኸንፈሮም ይሕለዉ።
4
ብዕራይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ እኽሊ ኣይርከብን፤ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።
5
እሙን ምስክር ኣይሕሱን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሰት እዩ ዝዛረብ።
6
መላገፂ ሰብ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፤ ንለባም ግና ፍልጠት ምርካብ ኣየሸግሮን።
7
ካብ ቅድሚ ዓሻ ረሓቕ፤ ካብኡ ኸንፈር ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።
8
ናይ ለባም ጥበብ፥ መንገዱ ምስትብሃሉ እዩ፤ ናይ ዓሻ ዕሽነት ግና፥ ጥበራ እዩ።
9
ዓያሹ ብሓጢኣት የላግፁ፤ ኣብ ማእኸል ቅኑዓት ግና ሕያዋይነት ኣሎ።
10
ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፤ ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን።
11
ቤት ክፉኣት ይዓኑ፤ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይፀንዕ።
12
ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።
13
እናሰሓቕካውን፥ ልቢ ይጕሂ እዩ፤ መወዳእታ ሓጐስ ከዓ ሓዘን እዩ።
14
ንልቡ ኻብ ፅድቂ ዝመልስ ሰብ፥ ካብ ፍረ መንገዱ ይፀግብ፤ ፃድቕ ሰብ ግና ኻብ ባዕሉ እዩ።
15
ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፤ ለባም ግና ነካይዳኡ ይጥንቀቕ።
16
ለባም ሰብ ይፈርሕ፤ ካብ ክፉእ ድማ ይርሕቕ፤ ሰነፍ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።
17
ቍጡዕ ሰብ ስራሕ ዕሽነት ይሰርሕ፤ መስተውዓሊ ግና ይዕገስ።
18
ደናቝር ዕሽነት ይወርሱ፤ ለባማት ግና ዘውዲ ፍልጠት ይደፍኡ።
19
ዓመፅቲ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት፥ ሓጥኣን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ፃድቃን ይንብርከኹ።
20
ንድኻ ብፃዩ እኳ ይፀልኦ፤ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።
21
እቲ ንብፃዩ ዝንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፤ ዝርህርሀሉ ግና ቡሩኽ እዩ።
22
ክፉእ ዝሓስቡ ይጋገዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዝሓስቡ እየን።
23
ብስራሕ፥ ኵሉ ሃፍቲ ይርከብ፤ ብዙሕ ዘረባ ዝዛረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት የብፅሓ።
24
ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፤ ዕሽነት እቶም ዓያሹ ግና ዅልሻዕ ዕሽነት እዩ።
25
ሓቀኛ ምስክር ህይወት የድሕን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጠባሪ እዩ።
26
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ፅኑዕ እምባ ኣለዎ፤ ንደቁውን መዕቘቢ ይረክብ።
27
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ህይወት ፍልፍል እዩ፤ ንሰብ ከዓ ኻብ መፃወዲያ ሞት የድሕኖ።
28
ክብሪ ንጉስ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ እዩ፤ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት ገዛኢ እዩ።
29
ንዕጉስ ሰብ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፤ ቍጡዕ ግና ንዕሽነቱ ይገልፃ።
30
ትሑት ልቢ፥ ንስጋ ህይወቱ እዩ፤ ቅንኢ ግና፥ ቍንቍነ ኣዕፅምቲ እዩ።
31
ንድኻ ዝጭቍን ንፈጣሪኡ ይደፍር፤ ንስኡን ዝርህርህ ግና ንፈጣሪኡ የኽብር።
32
ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።
33
ጥበብ ኣብ ልቢ መስተውዓሊ ትሓድር፤ ኣብ ልቢ ዓያሹ ግና ኣይትፍለጥን።
34
ፅድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፤ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝቢ እዩ።
35
ብልሂ ሓሽከር ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞገስ ይረክብ፤ ነውሪ ኣብ ልዕሊ ዝገብር ሓሽከር ግና ቝጥዓ ንጉስ ይወርድ።
← Chapter 13
Chapter 15 →