bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 13
Proverbs 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ለባም ውሉድ ተግሳፅ ኣቦኡ ይሰምዕ፤ መላገፂ ግና ተግሳፅ ኣይሰምዕን።
2
ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ሰናይ ይምገብ፤ ነፍሲ ዓመፀኛታት ግና ግፍዒ ትምገብ።
3
ኣፉ ዝገትእ፥ ህይወቱ ይሕሉ፤ ከንፈሩ ዝኸፍት ግና፥ ጥፍኣት ይረኽቦ።
4
ነፍሲ ሃካይ ሰብ ትምነ፥ ግና ሓንቲኳ ኣይትረክብን፤ ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ።
5
ፃድቕ ንዘረባ ሓሰት ይፀልኦ፤ ሓጥእ ግና የሕፍርን የነውርን።
6
ፅድቂ ነቲ ብመንገዱ ቕኑዕ ዝኾነ ይሕልዎ፤ ሓጢኣት ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7
ንባዕሉ ሃብታም ኣምሲሉ ዝረአ ኣሎ፤ ግና ሓደኳ የብሉን፤ ንባዕሉ ድኻ ዘምስል ከዓ ኣሎ፤ ግና የመና ሃብቲ ኣለዎ።
8
ሰብ ንህይወቱ ብገንዘቡ ይቢዜዋ፤ ድኻ ግና ዘስግኦ የብሉን።
9
ንፃድቃን ኵልሻዕ ብርሃን እዩ፤ መብራህቲ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
10
ትዕቢት፥ ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘምፅእ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።
11
ብኸንቱ ዝተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፤ ብፃዕሪ ዝተረኽበ ገንዘብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ።
12
ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕዝኖ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ።
13
ንትእዛዝ ዝንዕቕ ብትእዛዛት ተትሒዙ ይጠፍእ፤ ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ብዳሓን ይነብር።
14
ሰብ ካብ መፃወድያ ሞት ምእንቲ ኸምልጥ፥ ትምህርቲ ጠቢብ ፍልፍል ህይወት እያ።
15
ሰናይ ፍልጠት ሞገስ ይህብ፤ መንገዲ ዓመፀኛታት ግና ሓርፋፍ እዩ።
16
ብልሂ ሰብ ብምስትውዓል ይሰርሕ፤ ዓሻ ግና ዕሽነቱ ይገልፅ።
17
ክፉእ ልኡኽ ኣብ ክፉእ ይወድቕ፤ እሙን ልኡኽ ግና ፈውሲ እዩ።
18
ተግሳፅ ንዘይቕበል ሰብ፥ ድኽነትን ነውርን ይፀንሖ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይኸብር።
19
ዝተፈፀመ ትምኒት ንነፍሲ የሐጕሳ፤ ንዓያሹ ግና ኻብ ክፉእ ምርሓቕ ርኽሰቶም እዩ።
20
ምስ ለባም ዝመላለስ ለባም ይኸውን፤ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና መከራ ይቕበል።
21
ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።
22
ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።
23
ኣብ ግራት ድኻታት ብዙሕ ሲሳይ ይርከብ፤ ግና ኻብ ምጕዳል ፍርዲ ዝተልዓለ ይጠፍእ።
24
ንውሉዱ ብጨንገር ከይቐፅዕ ዝርህርህ ሰብ ንውሉዱ ይፀልእ፤ እቲ ንውሉዱ ዘፍቅሮ ግና ተጠንቂቑ ይቐፅዖ።
25
ፃድቕ ክሳዕ ዝፀግብ ይበልዕ፤ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።
← Chapter 12
Chapter 14 →