bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 12
Proverbs 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ተግሳፅ ዝፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፤ ተግሳፅ ዝፀልእ ግና ዓሻ እዩ።
2
ሕያዋይ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይረክብ፤ ንተንኰለኛ ግና ይቐስፎ።
3
ንሰብ ዓመፅ ኣየፅንዖን፤ ሱር ፃድቃን ግና ነቕ ኣይብልን እዩ።
4
ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ እያ፤ ነውራም ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ኸም ቍንቁነ እያ።
5
ሓሳብ ፃድቃን ቅኑዕ እዩ፤ ምኽሪ ሓጥኣን ግና ተንኰል እዩ።
6
ዘረባ ሓጥኣን ደም ንምፍሳስ ተድቢ፤ ኣፍ ቅኑዓት ግና የናግፎም።
7
ሓጥኣን ይግልበጡ፥ መሊሶምውን ኣይርከቡን፤ ቤት ፃድቃን ግና ፀኒዑ ይነብር።
8
ሰብ ብመጠን ፍልጠቱ ይነኣድ፤ ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ።
9
ካብቲ እንጀራ ጐዲልዎ እንተሎ ንባዕሉ ዘኽብር ሰብ፥ እቲ ንባዕሉ ባርያ ኾይኑ ዝተጠቕዐ ሰብ ይሐይሽ።
10
ፃድቕ ሰብ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርህርህ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ጨካን እዩ።
11
መሬቱ ዝሓርስ ሰብ፥ እንጀራ ይፀግብ፤ ንኸንቱ ነገር ዝጐዪ ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ።
12
ፍቓድ ሓጥኣን መፃወድያ ኽፍኣት እያ፤ ሱር ፃድቃን ግና ፍረ ይህብ።
13
ክፉእ ሰብ ብሓጢኣት ከንፈሩ ይጥለፍ፤ ፃድቕ ግና ኻብ መከራ የምልጥ።
14
ነፍሲ ሰብ፥ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ነገር ትፀግብ፤ ሰብ ድማ ኸም ስራሕ ኢዱ ይፍደ።
15
መንገዲ ዓሻ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕንዕቲ እያ፤ ለባም ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
16
ኵራ ዓሻ ሽዑ ንሽዑ ይፍለጥ፤ ለባም ሰብ ግና ንነውሪ ይሓብእ።
17
ሓቂ ዝዛረብ ቅንዕና የውሪ፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ የውሪ።
18
ከም ዝዋጋእ ሰይፊ ዝልፍልፍ ሰብ ኣሎ፤ መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ።
19
ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፤ ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ።
20
ኣብ ውሽጢ ልቢ እቶም ክፉእ ዝሓስቡ፥ ተንኰል ኣሎ፤ እቶም ሰላም ዝመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።
21
ንፃድቕ ክፉእ ኣይረኽቦን፤ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት ዝተመልኡ እዮም።
22
ሓሰውቲ ኸናፍር ብእግዚኣብሄር ኣፀየፍቲ እየን፤ እቶም ሓቀኛታት ግና የሐጕስዎ።
23
መስተውዓሊ ፍልጠቱ ይስውር፤ ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውሪ።
24
ኢድ ትጉህ ትገዝእ፤ ኢድ ሃካይ ግና ትግብር።
25
ንሰብ ኣብ ልቡ ዘሎ ሓዘን የዋርዶ፤ ሰናይ ቃል ግና የሐጕሶ።
26
ፃድቕ ንብፃዩ መንገዲ የርእዮ፤ ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም።
27
ሃካይ ሰብ ሃዲኑ ዘምፅኦ እኳ ኣይጠብስን፤ ትግሃት ግና ንሰብ ዝኸበረ ሃብቲ እያ።
28
ኣብ መንገዲ ፅድቂ ህይወት ኣሎ፤ ኣብ መንገዳውን ሞት የለን።
← Chapter 11
Chapter 13 →