bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 11
Proverbs 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ትኽክለኛ ሚዛን ግና የሐጕሶ።
2
ትዕቢት እንተ መፂኣ ውርደት ትመፅእ፤ ኣብ ትሑታን ግና ጥበብ ትርከብ።
3
ነቶም ቅኑዓት ቅንዕናኣቶም ይመርሖም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም የጥፍኦም።
4
ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።
5
ንፍፁም ሰብ፥ ፅድቁ፥ ንመንገዱ የቕንዐሉ፤ ንሓጥእ ግና ሓጢኣቱ የውድቖ።
6
ነቶም ቅኑዓት ፅድቆም የናግፎም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም መፈንጠር ይኾኖም።
7
ሓጥእ እንተ ሞተ ተስፋኡ ይቋረፅ፤ እቲ ዝምክሐሉ ሓይሊ ድማ ኸንቱ ይኸውን።
8
ፃድቕ ካብ መከራ ይድሕን፤ ሓጥእ ግና ኽንድኡ ይመፅእ።
9
ክፉእ ሰብ ንብፃዩ ብኣፉ የጥፍኦ፤ ፃድቕ ግና ብፍልጠት የምልጥ።
10
ፃድቃን ፅቡቕ እንተ ረኸቡ፥ ሃገር ትሕጐስ፤ ብጥፍኣት ሓጥኣን ኸዓ ዕልል ትብል።
11
ብበረኸት ቅኑዓት፥ ከተማ ልዕል ልዕል ትብል፤ ብኣፍ ሓጥኣን ግና ትግልበጥ።
12
ንብፃዩ ዝንዕቕ ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ለባም ግና ስቕ እዩ ዝብል።
13
ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።
14
ፅቡቕ ምኽሪ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ይወድቕ፤ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ድሕነት ይኸውን።
15
ንዘይፈልጦ ዝወሓስ መከራ ይቕበል፤ ካብ ውሕስነት ዝጥንቀቕ ግና ብህድኣት ይነብር።
16
ሕያወይቲ ሰበይቲ ሞገስ ትረክብ፤ ሃካያት ሃብቲ ኣይረኽቡን፤ ፃዕረኛታት ግና ሃብቲ ይረኽቡ።
17
ሕያዋይ ሰብ ንባዕሉ ፅቡቕ ይገብር፤ ጨካን ግና ንስጋኡ ይጐድእ።
18
ናይ ሓጥእ ሰብ ሞያ ረብሓ የብሉን፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።
19
ብሓቂ ዝፀንዕ ብህይወት ይነብር፤ ክፍኣት ዝኽተል ግና ሞቱ የዳሉ።
20
እግዚኣብሄር ነቶም ጠዋይ ዝልቦም ይፅየፎም፤ ብመንገዶም ፍፁማት ዝኾኑ ግና ዝተፈተዉ እዮም።
21
ክፉእ ሰብ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን።
22
ምስትውዓል ዝጐደላ መልክዐኛ ሰበይቲ፥ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዝተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23
ኵሉ ድልየት ፃድቃን ሰናይ እዩ፤ ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ።
24
ሓድሓደ ሰባት ገንዘቦም ብልግሲ ይህቡ፤ መሊሶም ከዓ ይህብትሙ፤ ሓድሓደ ኸዓ ብዘይመጠን ይነፍጉ፤ የመናውን ይደኽዩ።
25
ለጋስ ነፍሲ፥ የመና ትፀግብ፤ እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ።
26
ኣኽቢረ ኽሸጦ ኢሉ እኽሉ ንዝዓቍር ሰብ፥ ህዝቢ ይረግሞ፤ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዝሸይጥ እዩ።
27
ሰናይ ዝደሊ ሰናይ ይረክብ፤ ነቲ ኽፉእ ዝደሊ ግና ኽፉእ ይረኽቦ።
28
ብሃብቱ ዝእመን ይወድቕ፤ ፃድቃን ግና ኸም ቈፅሊ ይልምልሙ።
29
እቲ ንቤቱ ዝህውኽ ንፋስ ይወርስ፤ ዓሻ ድማ ነቲ ጥበበኛ ሰብ ኣገልጋሊ ይኸውን።
30
ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እያ፤ ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።
31
እንሆ ፃድቕ ፍዳኡ ኣብ ምድሪ ዝቕበል ካብ ኮነ፥ ሓጥእን ዓማፅን ደኣ ኸመይ ክኾኑ እዮም?
← Chapter 10
Chapter 12 →