bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 10
Proverbs 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዙይ ምስላታት ሰሎሞን እዩ፦ ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፤ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ እኖኡ እዩ።
2
ብሓጢኣት ዝተረኽበ ሃብቲ ኣይጠቅምን እዩ፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት የናግፍ።
3
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ፃድቕ ኣየጥምያን እዩ፤ ንትምኒት ክፉኣት ግና የንኰላልፎ።
4
ኢድ ሃካይ ድኻ ትገብር፤ ኢድ ትጉህ ግና ሃብታም ትገብር።
5
ለባም ወዲ፥ እኽሉ ብሓጋይ ይእክብ፤ እቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ዝድቅስ ግና ንባዕሉ የዋርድ።
6
በረኸት ኣብ ልዕሊ ፃድቃን እዩ፤ ንኣፍ ሓጥኣን ግና ግፍዒ ይኸድኖ።
7
ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
8
ለባም ሰብ ምኽሪ ብምስትውዓል ይቕበል፤ ብኸንፈሩ ዝሰንፍ ግና ይወድቕ።
9
ብቕንዕና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፤ ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ።
10
ብዓይኑ ዝጠቅስ መከራ የምፅእ፤ ብሓቂ ዝግስፅ ግና ሰላም የምፅእ።
11
ኣፍ ፃድቕ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ንኣፍ ሓጥእ ግና ግፍዒ ይኸድኖ።
12
ፅልኢ፥ ንጐይቊ የልዕል፤ ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ።
13
ኣብ ከንፈር ብልሓተኛ ጥበብ ትርከብ፤ ሓለንጊ ግና ኣብ ዝባን ዓሻ እዩ።
14
ለባማት ፍልጠት ይእክቡ፤ ኣፍ ሰነፍ ግና ናብ ጥፍኣት ይቐርብ።
15
ሃብቲ በዓል ፀጋ ንእኡ ዝፀንዐት ከተማ እያ፤ ጥፍኣት ድኻታት ግና ድኽነቶም እዩ።
16
ዓስቢ ፃድቃን፥ ንህይወት እዩ፤ ፍረ ሓጥኣን ግና ንሓጢኣት እዩ።
17
ምዕዶ ዝሕሉ ብህይወት ይነብር፤ ተግሳፅ ዝኣቢ ግና ይስሕት።
18
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
19
ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
20
መልሓስ ፃድቕ ዝፀረየ ብሩር እዩ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ፍረ የብሉን።
21
ከናፍር ፃድቃን ንብዙሓት ሰባት ይምግባ፤ ዓያሹ ግና ሰኣን ፍልጠት ይሞቱ።
22
በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
23
ክፉእ ምግባር ንዓሻ ዋዛኡ እዩ፤ ጥበብ ከዓ ንለባም ከምኡ እያ።
24
ንሓጥኣን እቲ ዝፈርሕዎ ነገር ይመፆም፤ ንፃድቃን ግና ዝተመነይዎ ይወሃቦም።
25
ኣውሎ ንፋስ እንትሓልፍ ሓጥእ ኣይርከብን፤ ፃድቕ ግና ናይ ዘለኣለም መሰረት እዩ።
26
ከምቲ መፂፅ ንስኒ፥ ትኪ ኸዓ ንዓይኒ ዝጐድእ፥ ሃካይ ንለኣኺኡ ኸምኡ እዩ።
27
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ዕድመ የንውሕ፤ ዘመን ሓጥኣን ግና ትሓፅር።
28
ትፅቢት ፃድቃን ደስታ እዩ፤ ተስፋ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
29
መንገዲ እግዚኣብሄር፥ ብዘይ ነውሪ ንዝኸይድ እምባ እዩ፤ ንገበርቲ ኽፉእ ግና መጥፍኢ እዩ።
30
ፃድቃን ንዘለኣለም ሃዲኦም ይነብሩ፤ ክፉኣት ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31
ኣፍ ፃድቕ ጥበብ ይዛረብ፤ ቀይናን መልሓስ ግና ትቝረፅ።
32
ከናፍር ፃድቕ ዘሐጕስ ነገር ይፈልጡ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ቐይናን እዩ።
← Chapter 9
Chapter 11 →