bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 6
Numbers 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥
3
ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ።
4
በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።
5
በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ።
6
በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ።
7
እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ።
8
ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።
9
ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።
10
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ።
11
እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ።
12
ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።
13
ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ።
14
ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
16
እቲ ኻህን ከዓ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈን ንዝቃፀል መስዋእትን ገይሩ ኸዓ ይሰውኣዮ።
17
ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ።
18
እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ።
19
ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ምስ ላፀዮ፥ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ማጕላ ይውሰዳ፤ ካብቲ መሶብ ከዓ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብሮ።
20
ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል።
21
ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም።
22
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
23
“ንደቂ እስራኤል እንትትባርኽዎም ከምዙይ በልዎም ኢልካ ንኣሮንን ንደቁን ንገሮም፦
24
‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን፤
25
እግዚኣብሄር ገፁ የብርሀልካ፤ ይራህርሀልካውን።
26
እግዚኣብሄር ገፁ ይምለሰልካ፤ ሰላም ድማ ይሃብካ።’
27
“ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”
← Chapter 5
Chapter 7 →