bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 7
Numbers 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን።
2
እቶም ኣሕሉቕ ነገድ ዝኾኑ፥ ሹመኛታት እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ቍፁራት ዝነበሩን ውህብቶ ኣቕረቡ።
3
ውህብቶኦም ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላታትን ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ ናብ ቅድሚ መሕደሪ ኣቕረብዎ።
4
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
5
“ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ።
6
ሙሴ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ኣብዑርን ወሲዱ ነቶም ሌዋውያን ሃቦም።
7
ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም።
8
ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም።
9
ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።
10
እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ።
11
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እቲ ናይ መሰውኢ መባረኺ መባኦም፥ ኣሕሉቕ በብመዓልቶም የቕርቡ” ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እዩ።
12
እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።
13
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
14
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
15
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
16
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
17
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ።
18
ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ሹም ደቂ ይሳኮር ነበረ።
19
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
20
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
21
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
22
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
23
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዙይ እዩ።
24
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥ ሹም ደቂ ዛብሎን ነበረ።
25
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
26
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
27
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
28
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
29
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዙይ እዩ።
30
ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።
31
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
32
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
33
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
34
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
35
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር እዙይ እዩ።
36
ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ፥ ሹም ደቂ ስምኦን ነበረ።
37
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
38
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
39
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
40
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
41
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዙይ እዩ።
42
ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥ ሹም ደቂ ጋድ ነበረ።
43
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
44
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
45
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
46
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
47
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል እዙይ እዩ።
48
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ሹም ደቂ ኤፍሬም ነበረ።
49
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
50
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
51
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
52
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
53
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ።
54
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ።
55
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
56
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
57
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
58
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
59
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ።
60
ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ።
61
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
62
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
63
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
64
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
65
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዙይ እዩ።
66
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ።
67
ንሱ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
68
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
69
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
70
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥
71
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ።
72
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ።
73
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
74
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
75
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
76
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
77
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ፋግኤል ወዲ ዖክራን እዙይ እዩ።
78
ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣኪሬ ወዲ ዔናን፥ ሹም ደቂ ንፍታሌም ነበረ።
79
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
80
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
81
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
82
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
83
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዙይ እዩ።
84
በታ መሰውኢ ዝተቐብአላ መዓልቲ ሹመኛታት እስራኤል ንመቐደሲኡ ክኸውን ዘቕረብዎ መባእ ኸምዙይ እዩ፦ ዓሰርተ ኽልተ ፃሕሊ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ።
85
ሓደ ፃሕሊ ብሩር ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም፥ ሓደ ውንጭሕቲ፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሉ ኣቑሑ ብሩር ብሚዛን መቕደስ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ነበረ።
86
እተን ዕጣን ዝመልኣ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ ነንፅዋዕ ብሚዛን መቕደስ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝምዘና ነበራ። ኵለን እተን ፅዋዓት ወርቂ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ኮና።
87
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ።
88
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ።
89
ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።
← Chapter 6
Chapter 8 →