bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 5
Numbers 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ
2
ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
3
ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ነቲ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅእዎም በሎ።
4
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ።
5
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
6
ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥
7
ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።
8
ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ።
9
ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን።
10
ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፤ ኵሉ እቲ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ድማ ነቲ ኻህን ይኹን በሎም።
11
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
12
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፥ ብምዝማዋ ኸዓ እንተ በደለቶ፥
13
ምስ ካልእ ሰብኣይ እንተ ደቂሳ፥ ምስክር ስለ ዘይተረኽባ፥ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት ስለ ዘይተትሐዘት፥ እዙይ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፥ ብሕቡእ ድማ እንተ ረኸሰት፥
14
መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥
15
ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምፅኣያ። ብዛዕባኣ ኸዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ እዩሞ፥ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ።
16
እቲ ኻህን ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።
17
እቲ ኻህን በቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቤት ድንኳን ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸዓ ኣብቲ ማይ ይግበር።
18
እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።
19
ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ብዘስዕብ ማሕላ የምሕላ፤ ከምዙይ ከዓ ይበላ፦ “ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘይደቀስኪ እንተ ዄንኪ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ዄንኪ፥ እዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኺ።
20
ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፥ እንትርፊ ምስ ሰብኣይኪ ምስ ካልእ ደቂስኪ እንተ ዄንኪ፥
21
እግዚኣብሄር ማህፀንኪ ኸም ዝዅምተር፥ ከብድኺ ኸም ዝንፋሕ ብምግባር፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ።
22
ከብድኺ ኽነፍሕ ሰለፍኪ ኸዓ ኸማስን፥ እዝ መርገም ዘምፅእ ማይ እዙይ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ” ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ኣሜን፥ ኣሜን” ትበል።
23
እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ።
24
ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ።
25
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።
26
ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።
27
ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ።
28
እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ።
29
ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥
30
ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም።
31
እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።
← Chapter 4
Chapter 6 →