bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 4
Numbers 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን
2
“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ደቂ ቃዓት በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።
3
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ።
4
“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ናይቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ዝኾነ ነገራት፥ ስራሕ ደቂ ቃዓት እዙይ እዩ፤
5
እቲ ሰፈር እንትለዓል፥ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ብእኡ ይኽደንዎ።
6
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።
7
“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
8
ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ቐይሕ ግምጃ ይዘርግሑሉ፤ ንእኡ ኸዓ ብቘርበት እንስሳ ዝተሰርሐ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፤ መፃውራትውን የእትዉሉ።
9
“ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከዓ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ነቲ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊ ርስሓቱን ነቲ ዘይቲ ዝሕዙሉ ኣቑሑኡን ይኽደኑ።
10
ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ።
11
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።
12
“ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ።
13
“ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ።
14
ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።
15
“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።
16
“ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።”
17
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
18
“ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም።
20
ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”
21
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
22
“ንደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ቍፅሮም ውሰድ።
23
ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ።
24
“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦
25
ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥
26
መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን፥ ገመዳቱን ኵሉ ኣቑሑ ኣገልግሎቶምን ይፁሩ። ከምዙይ ገይሮም ኵሉ ኣገልግሎቶም ይፈፅሙ።
27
ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።
28
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
29
“ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።
30
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም።
31
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
32
ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ።
33
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”
34
ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ንደቂ ቀዓታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈፀርዎም።
36
ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ድማ ኾኑ።
37
እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
38
እቶም ካብ ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥
39
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥
40
ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
41
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
42
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥
43
ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፥
44
ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
45
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
46
እቶም ሙሴን ኣሮንን ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን፥ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝቘፀርዎም ኵሎም ሌዋውያን፥
47
ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብምግልጋልን ብምፅዋርን ክሰርሑ ዝመፁ ዅሎም፥
48
ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ነበሩ።
49
ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።
← Chapter 3
Chapter 5 →