bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 34
Numbers 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ናብታ ርስቲ ኽትኮነኩም እትወሃበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም ዘዋስንዋ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
3
ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
4
ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ።
5
ካብ ዓፅሞን ከዓ እቲ ወሰን ናብ ሩባ ግብፂ ይዙር፤ ናብቲ ዓብዪ ባሕሪ ድማ ይውፃእ።
6
ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም።
7
ብወገን ሰሜን ወሰንኩም ከምዙይ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።
8
ካብ እምባ ሆር ድማ ኽሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ፅዳድ ይውፃእ።
9
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓፃርዔናን ይውፃእ፤ ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኹን።
10
ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ።
11
እቲ ወሰን ድማ ኻብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፤ እቲ ወሰን ከዓ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብፃሕ።
12
እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ።
13
ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።
14
ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤቶም፥ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኸከም ማይ ቤቶም፥ ፈረቓ ነገድ ምናሴውን ከምኡ ረርስቶም ሒዞም እዮም እሞ።
15
እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ።
16
መሊሱ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
17
እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም።
18
ንምምቓል እታ ምድሪ ዝሕግዝዎም ድማ ኸካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰድ።
19
ስማቶም ድማ እዙይ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ።
20
ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰላምኤል ወዲ ዓሚሁድ።
21
ካብ ነገድ ብንያም፥ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን።
22
ካብ ነገድ ዳን፥ ቡቂ ወዲ ዮግሊ።
23
ካብ ደቂ ዮሴፍ፥ ካብ ነገድ ምናሴ፥ ኣኒኤል ወዲ ሱፊድ።
24
ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ቀሙኤል ወዲ ሺፍጣን።
25
ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ኤሊሳፈን ወዲ ፈርናክ።
26
ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ፊልጢኤል ወዲ ሖዛ።
27
ካብ ነገድ ኣሴር፥ ኣሒሁድ ወዲ ሰሌሚ።
28
ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ፈዳሄል ወዲ ዓሚሁድ።
29
እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ርስቲ ኽመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።
← Chapter 33
Chapter 35 →