bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 33
Numbers 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦
2
ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
3
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ።
4
ግብፃውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ዝቐተሎም ኵላቶም በዅሪታት ይቐብሩ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶምውን ፈረደ።
5
ደቂ እስራኤል ካብ ራምሴ ተልዒሎም ኣብ ሱኮት ሰፈሩ።
6
ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።
7
ካብ ኤታም ተልዒሎም፥ ኣብ ምብራቕ በኣልዛፎን ናብ ዘላ ፊሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ጥቓ ሚግዶል ሰፈሩ።
8
ካብ መንፅር ፊሃሒሮት ተልዒሎም ብማእኸል ባሕሪ ኤርትራ ገይሮም ናብ ምድረ በዳ ተሳገሩ። ኣብ ምድረ በዳ ኤታም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከዓ ኣብ ማራ ሰፈሩ።
9
ካብ ማራ ተልዒሎም፥ ናብ ኤሊም መፁ፤ ኣብ ኤሊም ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።
10
ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ።
11
ካብ ባሕሪ ኤርትራ ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ሰፈሩ።
12
ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ኣብ ራፋቃ ሰፈሩ።
13
ካብ ራፋቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ኤሉስ ሰፈሩ።
14
ካብ ኤሉስ ተልዒሎም፥ ኣብ ራፊዲም ሰፈሩ፤ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዝሰትይዎ ማይ ኣይነበረን።
15
ካብ ራፊዲም ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ሰፈሩ።
16
ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዒሎም፥ ኣብ መቓብር ምንዮት ሰፈሩ።
17
ካብ መቓብር ምንዮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ።
18
ካብ ሓፄሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ።
19
ካብ ሪትማ ተልዒሎም፥ ኣብ ሬሞን ዘፋሬስ ሰፈሩ።
20
ካብ ሬሞን ዘፋሬስ ድማ ተልዒሎም፥ ኣብ ልብና ሰፈሩ።
21
ካብ ልብና ተልዒሎም፥ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ።
22
ካብ ሪሳ ተልዒሎም፥ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ።
23
ካብ ቄሄላታ ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ሻፍር ሰፈሩ።
24
ካብ እምባ ሻፍር ተልዒሎም፥ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ።
25
ካብ ሓራዳ ተልዒሎም፥ ኣብ መቅሄሎት ሰፈሩ።
26
ካብ መቅሄሎት ተልዒሎም፥ ኣብ ታሓት ሰፈሩ።
27
ካብ ታሓት ተልዒሎም፥ ኣብ ታራ ሰፈሩ።
28
ካብ ታራ ተልዒሎም፥ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ።
29
ካብ ሚትቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ።
30
ካብ ሓሽሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ።
31
ካብ ሞሴሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ብኔያዕቃን ሰፈሩ።
32
ካብ ብኔያዕቃን ተልዒሎም፥ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ።
33
ካብ ሖርሃጊድጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።
34
ካብ ዮጥባታ ተልዒሎም፥ ኣብ ዔብሮና ሰፈሩ።
35
ካብ ዔብሮና ተልዒሎም ኣብ ኤፅዮንጋብር ሰፈሩ።
36
ካብ ኤፅዮንጋብር ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ሰፈሩ፤ ንሱውን ቃዴስ እዩ።
37
ካብ ቃዴስ ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ዘሎ እምባ ሆር ሰፈሩ።
38
ካህን ኣሮን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ እምባ ሆር ደየበ። ኣብኡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ ኣብ እምባ ሆር ሞተ።
39
ኣሮን ክመውት እንተሎ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።
40
እቲ ኣብ ደቡብ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ንጉስ ኣራድ፥ ደቂ እስራኤል ይመፁ ኸም ዘለዉ ሰምዐ።
41
ካብ እምባ ሆር ተልዒሎም፥ ኣብ ሴልሞና ሰፈሩ።
42
ካብ ሴልሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ፉኖን ሰፈሩ።
43
ካብ ፉኖን ተልዒሎም፥ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።
44
ካብ ኦቦት ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ሞኣብ እትርከብ ኣብ ጋይ ሰፈሩ።
45
ካብ ጋይ ተልዒሎም፥ ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ።
46
ካብ ዲቦንጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዓልሞንዲብላታይም ሰፈሩ።
47
ካብ ዓልሞንዲብላታይም ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ዓብሪም፥ ኣብ መንፅር ናባው ሰፈሩ።
48
ካብ እምባ ዓብሪም ተልዒሎም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ሰፈሩ።
49
ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።
50
እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
51
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥
52
ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ስጐጕዎም፤ ኵሉ ብእምንን ብሓፂንን ዝተሰርሐ ምስልታቶም ሰባብሩ። ኵሉ ሰፈራት ኣምልኾኦም ኣፍርሱ።
53
ነታ ሃገር ብርስቲ ሂበኩም እየ እሞ ውረስዋ፤ ኣብኣውን ንበሩ።
54
ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”
55
ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ግና፥ “እቶም ካብኣቶም ዘትረፍኩምዎም፥ ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፥ ኣብ ጐድኒኹም ከዓ ዳንዴር ክኾኑኹም እዮም፤ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም።
56
እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ከምቲ ንኣኣቶም ከጥፍኦም ዝሓሰብኩ ንኣኻትኩምውን ከጥፍአኩም እየ።”
← Chapter 32
Chapter 34 →