bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 35
Numbers 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ዝወርስዎ ምድሪ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ምድሪ ንሌዋውያን ይሃብዎም።
3
እተን ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም። እቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ምድሪ ድማ ንኸፍቶምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ይኹን።
4
እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከባቢ ኸተማታት ዘሎ ምድሪ፥ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ ስፍሓቱ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሜትር ይኹን።
5
ብወፃኢ ኸተማ ብወገን ምብራቕ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ደቡብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ምዕራብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ሰሜን ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር ዓቅኑ። እታ ኸተማ ኣብ ማእኸል ትኹን። እዙይ ከዓ ኣብ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም።
6
እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ሽዱሽተ ኸተማታት፥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን፥ መዕቘቢ ይኹና። ብተወሳኺ ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም።
7
እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት፥ ኵለን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት፥ መምስ ከባቢአን ይኹና።
8
እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፥ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፥ ካብቶም ውሑድ ዘለዎም ውሑድ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ ዝወርሶ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
10
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንስኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥
11
ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን ከተማታት ፍለዩ።
12
እቲ ቐታሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ንፍርዲ ደው እንተይበለ ኣይሙት። እዘን ከተማታት እዚኣተን ካብቲ ፈዳዪ ሕነ መዕቘቢ ይኹናኹም።
13
እተን መዕቘቢ ክኾናኹም እትህብወን ከተማታት ሽዱሽተ ይኹና።
14
እተን መዕቘቢ ኸተማታት፥ ሰለስተ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ሰለስተ ኸዓ ኣብ ምድሪ ከነዓን ይኹናልኩም።
15
ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እስራኤላዊ ወይ ጓና ወይ ምስኣቶም ዝነብር ስደተኛ ናብኣተን ምእንቲ ኽሃድም፥ እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት እዚኣተን መዕቘቢ ይኹና።
16
ሓደ ሰብ ብሓፂን ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።
17
ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል እምኒ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።
18
ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል ኣቕሓ ዕንፀይቲ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።
19
እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ባዕሉ ይቕተሎ።
20
ብፅልኢ ደፊኡ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ተፀናትዩ ዝኾነ ደርቢዩ እንተ ቐተሎ፥
21
ወይ ፅልኢ ነይርዎ ብኢዱ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ እቲ ዝወቕዐ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ይቕተሎ።
22
ብፅልኢ ዘይኮነስ፥ እንተይፈለጠ እንተ ደፍኦ ግና፥ ፀላኢኡ ኸዓ እንተ ዘይነበረ፥ ወይ ከዓ ንኽፉእ እንተይሓሰበ፥ ወይ እንተይተፀናተወ ሓደ ነገር እንተ ደርበየሉ፥
23
ወይ እንተይረኣዮ ኽቐትል ዝኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፥ እሞ እንተ ሞተ፥
24
ሽዑ እቲ ባይቶ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን፥ ኣብ መንጎ እቲ ፈዳዪ ሕነን፥ ከምዙይ ገይሩ ይፍረድ፦
25
ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ የድሕኖ፤ ናብታ መዕቘቢት ክትኮኖ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ድማ ይምለሶ። እቲ ብቅዱስ ቅብኢ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይፅናሕ።
26
እቲ ቐታሊ፥ ካብ ወሰን እታ ሃዲሙ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ወፀ ግና፥
27
እቲ ፈዳዪ ሕነ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ወሰን እታ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ረኸቦ እሞ እንተ ቐተሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።
28
እቲ ቐታሊ ሰብ፥ እቲ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት፥ ኣብታ ዝተዓቝበላ ኸተማ ኽፀንሕ ይግብኦ፤ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኽምለስ ይኽእል እዩ።
29
እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር፥ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።
30
ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ብኣፍ መሰኻኽር ይቀተል። ሓደ ብዝመስከሮ ግና ንሞት ኣየፍርዶን እዩ።
31
ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ሰብ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፤ ይሙት ደኣ እምበር ኣይትቀበሉ።
32
ስለ እቲ ናብታ መዕቘቢት ከተማ ዝሃደመ፥ ሊቀ ካህናት እንተይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም፥ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ።
33
ደም ምፍሳስ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፥ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፥ ብደም እቲ ደም ዘፍሰሰ እያ እትነፅህ።
34
ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዝሓድር እየ። ነታ ኣነ ኣብ ማእኸላ ዝሓድራ፥ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር፥ ኣይተርክስዋ።
← Chapter 34
Chapter 36 →