bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 32
Numbers 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።
2
ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን መፂኦም ከዓ፦
3
“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።
5
ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺብናስ፥ እዘን ዓዲታት እዚኣተን፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ርስቲ ጌርካ ሃበና፤ ንዮርዳኖስውን ኣይተሳግረና” በልዎ።
6
ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ እንተለዉዶ፥ ኣብዙይ ክትተርፉ ኢኹም?
7
ስለ ምንታይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፥ ንደቂ እስራኤል ተስፋ እተቝርፅዎም?
8
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
9
ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም።
10
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦
11
‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’
13
እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል የመና ተቘጥዖም እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ ትውልዲ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም።
14
“ኣቱም ካብ ሓጥኣን ዝተወለድኩም ሰባት፥ ነቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክተበርትዑ፥ እንሆ ኸም ኣቦታትኩም ተልዓልኩም።
15
ንእግዚኣብሄር ምኽታል እንተ ኣበኹም፥ ንሱ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድጎም እዩ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ከዓ ተጥፍእዎ ኣለኹም” በሎም።
16
ንሳቶም ከዓ ናብኡ ቐሪቦም “ኣብዙይ ንእንስሳትና ደምበታት፥ ንደቅና ድማ ኸተማታት ክንሰርሕ ኢና፤
17
ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ።
18
ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዝረክብ፥ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን።
19
ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።
20
ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥
21
ንፀላእቱ ድማ ኻብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፥ እታ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፥ ኵሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምስ ድሕሪኡ ትምለሱ፤ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኤልን ከዓ ኻብ በደል ንፁሃት ትኾኑ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
23
“ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ።
24
እምበኣር ንደቅኹም ከተማታት፥ ነባጊዕኹም ከዓ ደምበታት ስርሑ፤ ነቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወፀ ነገር ድማ ግበርዎ።”
25
ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ “ጐይታና! ኸምቲ ዝበልካና ኽንገብር ኢና።
26
ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ።
27
ንሕና ሓሻኽርካ ግና ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዝና ዅላትና ኸምቲ ጐይታና ዝበልካዮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንዋጋእ ክንሳገር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
28
ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ነሕሉቕ ማይ ቤት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኣቶም ኣዘዘ።
29
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።
30
ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም።
31
ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር።
32
ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ።
33
ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።
34
ደቂ ጋድ ድማ፥ ዲቦን፥ ዓጣሮት፥ ዓሮዔር፥
35
ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥
36
ቤት ኒምራ፥ ቤት ሓራን ዝበሃላ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሑ፤ ደምበታት ኣባጊዕውን ሰርሑ።
37
ደቂ ሮቤል ድማ ሓሴቦን፥ ኤልዓለ፥ ቂርያታይም፥
38
ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን።
39
ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ኸይዶም ንገለዓድ ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከዓ ሰጐጕዎም።
40
ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ንገለዓድ ሃቦ፤ ማኪር ከዓ ኣብኣ ተቐመጠ።
41
ያኢር ወዲ ምናሴ ኸይዱ ዓድታት ሓዘ፤ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸዓ ሰመየን።
42
ኖባህ ድማ ኸይዱ ንቕኤናትን ቍሸታታን ሓዛ፤ ብስሙ ኸዓ ኖባህ ኢሉ ኣውፅአላ።
← Chapter 31
Chapter 33 →