bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 31
Numbers 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
“በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።”
3
ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝዋግኡ ሰባት ኣዳልዉ፤ በቲ ምድያማውያን ንእግዚኣብሄር ዝበደልዎ ድማ ኸይዶም ይበቀልዎም።
4
ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል ሸሽሕ ሰብ ናብ ውግእ ስደዱ።”
5
ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ምስ ሃበ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት ንውግእ ተዳለዉ።
6
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።
7
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ምስ ምድያማውያን ተዋግኡ፤ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ።
8
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
9
ነንስቲ ምድያምን ንቘልዑተንን ማረኽዎም። ኵሉ እንስሳኦምን ኵሉ ጥሪቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን ዘመቱ።
10
ንዅለን ዝነብሩለን ከተማታቶምን ኵሉ ሰፈራቶምንውን ብሓዊ ኣቃፀሉ።
11
ነቲ ዅሉ ዝማረኽዎን ዝዘመትዎን ሰብ ኮነ እንስሳ ወሰዱ።
12
ነቶም ዝማረኽዎምን ነቲ ዝዘመትዎን ዝሰለብዎን ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ህዝቢ እስራኤልን ኣምፅእዎ።
13
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹመኛታት እቲ ህዝብን ድማ ክቕበልዎም ናብ ወፃኢ ሰፈር ወፁ።
14
ሙሴ ኸዓ በቶም ካብ ውግእ ዝተመለሱ ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ በቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ተቘጥዐ።
15
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ንዅለን ኣንስቲ ብህይወት ሓደግኩምወን?
16
እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።
17
ሕዚ ድማ ተባዕታይ ዝኾነ ቕተሉ፤ ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስቲ ቕተልወን።
18
ሰብኣይ ዘየእተዋ ዅለን ኣጓላት ግና ንኣኻትኩም ክኾና ብህይወተን ሕደግወን።
19
“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።
20
ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዅሉን፥ ኵሉ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣንፅህዎ።”
21
ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ ሕጊ እዙይ እዩ፦
22
ወርቅን ብሩርን፥ ነሃስን፥ ሓፂንን፥ ታኒካን ዓረርን፥
23
ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ፤ በቲ ዘንፅህ ማይ ከዓ ይተሓፀብ። ኵሉ ሓዊ ዘይኽእል ድማ ብማይ ይተሓፀብ።
24
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽዳውንትኹም ሕፀቡ፤ ክትነፅሁ ድማ ኢኹም፤ ሽዑ ኸዓ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።”
25
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
26
“ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን መራሕቲ ማይ ቤት ናይቲ ህዝብን ኴንኩም፥ ነቲ ምርኮ፥ ሰቡን ጥሪቱን ቍፀርዎ።
27
ነቲ ምርኮ ኸዓ ፍርቁ ነቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእቲ፥ ፍርቁ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ማዕረ ጌርኩም ምቐልዎ።
28
ካብ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፥ ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ፍለዩ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ፍለዩ።
29
እዙይ ካብቲ ብፅሒቶም ንእግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ክኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ።
30
ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።”
31
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
32
እቲ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝዘመትዎ፥ ብዘይ እቲ ንርእሶም ዘትረፍዎ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ኣባጊዕ፥
33
ሰብዓን ክልተን ሽሕ ኣላሕም፥
34
ስሳን ሓደን ሽሕ ኣእዱግ፥
35
ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ኮነ።
36
ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ ኾነ።
37
ካብኣተን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኣባጊዕ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።
38
ከፍቲ ድማ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ፥ ካብኣተን ሰብዓን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።
39
ኣእዱግ ከዓ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ካብኣተን ስሳን ሓደን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።
40
ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ፥ ካብኣተን ሰላሳን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።
41
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።
42
ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል፥ ሙሴ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝመቐሎም፥
43
ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ፥
44
ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ከፍቲ፥
45
ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣእዱግ፥
46
ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ድማ ኣጓላት ኮና።
47
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ኻብዙይ ናይ ደቂ እስራኤል ብፅሒት ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፥ ከካብ ሓምሳ፥ ሓደ ወሲዱ፥ ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም።
48
እቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ።
49
ንሙሴ ኸዓ “ጐይታይ! ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ወታደራት ቈፂርናዮምስ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን።
50
ነፍሲ ወከፍና ድማ ኻብቲ ዝረኸብናዮ ኣቕሓ ወርቂ፥ ኣልቦ፥ ኣምባር፥ ቀለበት፥ ኵትሻ፥ ድሪ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽንረክብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና” በልዎ።
51
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ በብዓይነቱ ኣቑሑ ተቐበልዎም።
52
እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ወርቂ ኽልተ ሚእቲ ኺሎ ግራም ኮነ።
53
እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ወታደራት ነፍሲ ወከፎም ነንርእሶም ዝኸውን ማሪኾም ነበሩ።
54
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ወሲዶም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣእተውዎ።
← Chapter 30
Chapter 32 →