bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 28
Numbers 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል፥ ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ መባአይ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸቕርቡለይ ኣዝዞም።
3
ከምዙይ ድማ በሎም፦ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ ኸምዙይ እዩ፦ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡበት ኣባጊዕ ይኹኑ።
4
ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ጊሓት ሰውእዎ፤ ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውእዎ።
5
ንመስዋእቲ እኽሊ ብኢን መስፈሪ ራብዓይ ኢድ ተወቒጡ ብዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ብመስፈሪ ኢፍ ዓስራይ ኢድ ፅቡቕ ሕሩጭ ኣቕርብ።
6
እዙይ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመጀመርታ ኣብ ደብረ ሲና ዝቐረበ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
7
ምስቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ዝውፈ መስዋእቲ መስተ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝፈስስ መስዋእቲ መስተ፥ ብርቱዕ መስተ ይኹን።
8
ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።
9
ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበት ኣባጊዕ ሰውኡ፤ ምስኡ ኸዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
10
እዙይ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
11
ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
12
መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥
13
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ኣቕርቡ። እዙይ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።
14
መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
15
ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤልን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
16
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
17
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቲኣ ድማ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።
18
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።
19
ግና ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
20
ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥
21
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ሰውኡ።
22
ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
23
እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እተቕርብዎ እዩ።
24
ከምኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ፀፅባሕ መስዋእቲ ብልዒ ኣዳልዉ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን ዝስዋእ እዩ።
25
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
26
ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
27
ግና ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ።
28
ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥
29
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።
30
ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ሓደ ጤል ሰውኡ።
31
እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ጐደሎ ዘይብሎምውን ይኹኑ።
← Chapter 27
Chapter 29 →