bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 29
Numbers 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም።
2
ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ።
3
መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥
4
ነቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ነንሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ናይ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።
5
ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
6
እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
7
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
8
ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም።
9
ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥
10
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።
11
ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ።
12
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።
13
ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።
14
ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ማጕላ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ፥
15
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።
16
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
17
ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
18
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
19
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
20
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
21
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
22
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
23
ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
24
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸምቲ ስሩዕ ቍፅሪ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
25
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
26
ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
27
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
28
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
29
ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
30
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
31
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
32
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
33
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
34
ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
35
ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።
36
ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።
37
ምስቲ ዝራብዕን ማጓሉን፥ ከምኡውን ምስቶም ጡበታት ኣባጊዕ፥ ከከምቲ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
38
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
39
ኣብ ልዕሊ እቲ ብመብፅዓ ወይ ብድልየትኩም እተቕርብዎ መስዋእትኹም፥ በቲ ምዱብ በዓላትኩም፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን መስዋእቲ ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
40
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
← Chapter 28
Chapter 30 →