bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 27
Numbers 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ።
2
ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥
3
“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
4
ኣቦና፥ ወዲ ብዘይምውላዱ፥ ስለ ምንታይ ስሙ ኻብ ማእኸል ዓሌቱ ዝጠፍእ? ምስ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና” በላ።
5
ሙሴ ድማ ነቲ ነገረን ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቦ።
6
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
7
ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ምስ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፤ እቲ ርስቲ ኣቦአን ናብኣተን ኣሕሊፍካ ሃበን።
8
ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ሰብ፥ ወዲ እንተይሓደገ እንተ ሞተ፥ ነቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ።
9
ጓል እንተ ዘይብሉ ኸዓ ነቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎም።
10
ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም።
11
ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቲ ኻብ ዓሌቱ ንዝቐርቦ ዘመዱ ሃብዎ፤ ንሱውን ይውረሶ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞውን፥ ንደቂ እስራኤል ስርዓትን ፍርድን ይኹን።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓባሪም ደይብ፤ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸዓ ረአያ።
13
ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ።
14
እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ።
15
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር
16
“ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ።
18
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ።
19
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን ደው ኣቢልካ ሹሞ።
20
ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽእዘዞ ኸዓ ስልጣንካ ሃቦ።
21
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ።
22
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ።
23
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።
← Chapter 26
Chapter 28 →