bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 26
Numbers 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፦
2
“ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሉ ናብ ውግእ ክወፅእ ዝኽእል በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቍፀርዎም ኢሉ ተዛረቦም።”
3
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ፦
4
“ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይን ነቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዘና፥ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቝፀርዎም” ኢሎም ተዛረቡዎም። እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
5
ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥
6
ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፥ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።
7
ዓሌታት ሮቤል ብድምር ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
8
ኤልያብ ወዲ ፈሉስ እዩ፤
9
ደቂ ኤልያብ ድማ፥ ነሙኤል፥ ዳታን፥ ኣቤሮን ነበሩ። እቲ ምስ ሰዓብቲ ቆሬ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ምስ ዓመፁ፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተስኡ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቤሮንን እዚኣቶም እዮም።
10
ነዚኣቶም ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም፤ በቲ ጊዜ እቱይ እታ ሓዊ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝበልዐትላ፥ ምስ ቆሬን ሰዓብቱን ሞቱ፤ ንህዝቢ ድማ መርኣያ መቕፃዕቲ ኾኑ።
11
ደቂ ቆሬ ግና ኣይሞቱን።
12
ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ነሙኤል ነሙኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ያሚን ያሚናውያን፥ ካብ ዓሌት ያኪን ያኪናውያን፥
13
ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን።
14
ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
15
ደቂ ጋድ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ፅፎን ፅፎናውያን፥ ካብ ዓሌት ሓጊ ሓጋውያን፥ ካብ ዓሌት ሹኒ ሹናውያን፥
16
ካብ ዓሌት ኦዝኒ ኦዝናውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሪ ኤራውያን፥
17
ካብ ዓሌት ኣሮድ ኣሮዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኣርኤሊ ኣርኤላውያን።
18
ደቂ ጋድ ብድምር ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
19
ደቂ ይሁዳ፥ ኤርን ኦውናንን እዮም። ኤርን ኦውናንን ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ።
20
ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።
21
ደቂ ፋሬስ ድማ፦ ካብ ዓሌት ኤስሮም ኤስሮማውያን፥ ካብ ዓሌት ሓሙል ሓሙላውያን እዮም፤ እዚኣቶም ወገናት ይሁዳ እዮም።
22
ደቂ ይሁዳ ብድምር ሰብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
23
ደቂ ይሳኮር ድማ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቶላ ቶላውያን፥ ካብ ዓሌት ፉዋ ፉዋውያን፥
24
ካብ ዓሌት ያሱብ ያሱባውያን፥ ካብ ዓሌት ሺምሮን ሺምሮናውያን።
25
ደቂ ይሳኮር ብድምር ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።
26
ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰረድ ሰረዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሎን ኤሎናውያን፥ ካብ ዓሌት ያሕልኤል ያሕልኤላውያን።
27
ደቂ ዛብሎን ብድምር ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
28
እቶም ካብ ዓሌት ደቂ ምናሴን ኤፍሬምን ዝተወለዱ ዓሌታት ዮሴፍ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
29
ደቂ ምናሴ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ማኪር ማኪራውያን፥ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ፤ ካብ ዓሌት ገለዓድ ገለዓዳውያን።
30
ደቂ ገለዓድ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዓሌት ኢዔዝር ኢዔዝራውያን፥ ካብ ዓሌት ኬሌግ ኬሌጋውያን፥
31
ካብ ዓሌት ኣስሪኤል ኣስሪኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ሰኬም ሰኬማውያን።
32
ካብ ዓሌት ሸሚዳ ኸዓ ሸሚዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኦፌር ድማ ኦፌራውያን።
33
ሰለጰኣድ ወዲ ኤፌር ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማህለህ፥ ኑዓ፥ ኤግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ።
34
እዚኣቶም ናይ ምናሴ ወገን እዮም ደቂ ምናሴ ብድምር ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
35
ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሱቱላ ሱቱላውያን፥ ካብ ዓሌት ቤኬር ቤኬራውያን፥ ካብ ዓሌት ታሓን ታሓናውያን።
36
ደቂ ሹተላ ኸዓ፥ ካብ ዓሌት ዔዴን ዔዴናውያን።
37
ደቂ ኤፍሬም ብድምር ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
38
ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቤላ ቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣስቤል ኣስቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣኪራ ኣኪራናውያን።
39
ካብ ዓሌት ሶፋም ሶፋማውያን።
40
ደቂ ቤላም፥ ኣርድን ናዕማንን ነበሩ፦ ካብ ዓሌት ኣርድ ኣርዳውያን፥ ካብ ዓሌት ናዕማን ናዕማናውያን።
41
ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፤ ብድምር ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
42
ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰምዔ ሰምዔያውያን።
43
ኵሎም ዓሌታት ሰምዔያውያን ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
44
ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ዪምና ዪምናውያን፥ ካብ ዓሌት የሱዋ የሱዋውያን፥ ካብ ዓሌት በሪዓ በሪዓውያን።
45
ካብ ዓሌት በሪዓ ዝተወለዱ ኸዓ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሔቤር ሔቤራውያን። ካብ ዓሌት መልኪኤል መልኪኤላውያን።
46
ኣሴር፥ ሳራ እትበሃል ጓል ነበረቶ።
47
ደቂ ኣሴር ብድምር ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
48
ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ያሕፅኤል ያሕፅኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ጉኒ ጉናውያን፥
49
ካብ ዓሌት ዬፅር ዬፅራውያን ካብ ዓሌት ሺሌም ሺሌማውያን።
50
ደቂ ንፍታሌም ብድምር ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
51
እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ እስራኤል ብድምር ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
52
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
53
“እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቝፅሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል።
54
ነቶም ብዙሓት ከም ብዝሖም፥ ነቶም ውሑዳት ከዓ ኸም ምውሓዶም ርስቲ ሃቦም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ቍፅሩ ርስቱ ይውሃቦ።
55
እታ ምድሪ ግና ዕፃ ብምውዳቕ ትመቐል። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኸከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይውረስዋ።
56
ኵሉ ርስቲ፥ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ኮነ እቶም ውሑዳት ዕፃ ብምውዳቕ ይመቐል።”
57
እቶም በብዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ጌድሶን ዓሌት ጌድሶናውያን፥ ካብ ቃዓት ዓሌት ቀዓታውያን፥ ካብ ሜራሪ ዓሌት ሜራራውያን።
58
እዞም ዝስዕቡ ካብ ዓሌት ሌዊ እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፥ ዓሌት ኬብሮናውያን፥ ዓሌት ሞሖላውያን፥ ዓሌት ሙሳውያን፥ ዓሌት ቆሬኣውያን። ቀኣት ኣቦ እንበረም እዩ።
59
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።
60
ኣሮን ንናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ወለደ።
61
ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ።
62
እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።
63
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
64
ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ ምድረ በዳ ሲና ቕድም ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእኸል እዚኣቶም ኣይነበረን።
65
እግዚኣብሄር ብዛዕባኣቶም “ርግፅ ኣብ ምድረ በዳ ኽሞቱ እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ካብኣቶም፥ ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
← Chapter 25
Chapter 27 →