bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 25
Numbers 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ።
2
ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ።
3
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ።
4
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ።
5
ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም።
6
እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ።
7
ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥
8
ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ።
9
እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
10
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
11
“ፊንሓስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ንቝጥዓይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፤ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ከምቲ ኣነ ቐናእ ዝኾንክዎ ንኽብረይ ቀናእ ስለ ዝኾነ፥ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእኽዎምን።
12
ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ።
13
ንኣምላኹ ቐኒኡ እዩሞ፥ ንደቂ እስራኤልውን ኣተዓሪቑዎም እዩ እሞ፥ ንእኡ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ቃል ኪዳን ክህነት ክኾነሉ እዩ።”
14
ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ።
15
ስም እታ ዝተቐትለት ሚድያማዊት ሰበይቲ ኸዓ ከስቢ ነበረ፤ ንሳውን ጓል ሱር ነበረት። ሱር ኣብ ምድያም ናይ ሓደ ማይ ቤት ሹም ነበረ።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
17
“ንምድያማውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፤
18
ኣብ ፌጎር ጠቢሮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ፥ ብምኽንያት ከስቢ ሓፍቶም፥ ጓል ሹም ሚድያም፥ በታ ኣብ ፌጎር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ ዝተቐትለትውን፥ ኣታሊሎም ናብ ጭንቂ ኣእትዮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ።”
← Chapter 24
Chapter 26 →