bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 24
Numbers 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።
2
ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ።
3
ሽዑ በለዓም ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤
4
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤
5
ኣታ ያእቆብ ድንኳናትካ፥ ኣታ እስራኤል ድማ ማሕደራትካ፥ ክንደይ ይፅብቑ!
6
ከም ለሰታት ይዝርግሑ፤ ኣብ ገምገም ሩባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ተኽሊ ዕረታት፥ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም።
7
ካብ ዕትሮኦም ማይ ይፈስስ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፤ ንጉሶም ካብ ኣጋግ ልዕል ልዕል ይብል፤ መንግስቱውን ክትከብር እያ።
8
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦ፤ ሓይሉ ኸም ናይ በዓል ሓደ ቀርኒ ሓርሽ እዩ፤ ነቶም ዝፃረርዎ ኣህዛብ ክበልዖም እዩ፤ ነዕፅምቶምውን ክሰባብሮ እዩ፤ ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ።
9
ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”
10
ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም።
11
ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”
12
በለዓም ከዓ ንባላቅ “ነቶም ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ ‘ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ ቓል እግዚኣብሄር ጥሒሰ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ፥ ከም ድሌተይ ክገብር ኣይክእልን፤ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን?
14
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
15
ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።
16
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።
17
ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
18
ንኤዶምያስ ርስቱ ኽገብር እዩ፤ ፀላኢኡ ሴይርውን ርስቱ ክኸውን እዩ። እስራኤል ከዓ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።
19
ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኽወፅእ እዩ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
20
ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤ መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”
21
ናብ ቄናውያን እናረአየ ኸዓ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እትነብሩሉ ፅኑዕ እዩ፤ ገዛኻትኩም ከዓ ኣብ ኰዅሒ ተሰሪሑ ኣሎ።
22
እንተ ኾነ ኣሶር ክሳዕ ዝማርኸኩም፥ እቲ ቄናዊ ንጥፍኣት ክኸውን እዩ።”
23
ምስላኡ ኸዓ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “እግዚኣብሄር ነዙይ ምስ ገበረስ፥ መን ኮን ብህይወት ክነብር እዩ?
24
ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ክመፃ እየን፤ ንኣሶርን ንዔቤርን ከጨንቓኦም እየን፤ ንሱ ባዕሉውን ክጠፍእ እዩ።”
25
ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ።
← Chapter 23
Chapter 25 →