bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 23
Numbers 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ።
2
ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።
3
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
4
እግዚኣብሄር ከዓ ንበለዓም ተራኸቦ፤ በለዓም ድማ “ሸውዓተ መሰውኢ ኣሰናድየ፤ ኣብ መመሰውኢ ኸዓ ዝራብዕን ማጕላን ሰዊአ ኣለኹ” በሎ።
5
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።
6
በለዓም ድማ ናብ ባላቅ ተመለሰ። እንሆ ኸዓ፥ ባላቅ ምስ ኵሎም ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ደው ኢሉ ነበረ።
7
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ባላቅ ካብ ኣራም፥ ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤ ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤ ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።
8
እግዚኣብሄር ንዘይረገሞ፥ ከመይ ኢለ ኽረግሞ? እግዚኣብሄር ንዘይተፃልኦ ኸመይ ኢለ ኽፃልኦ?
9
ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይነ እሪኦ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት ኮይነውን እጥምቶ ኣለኹ። እንሆ፥ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፥ ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ።
10
ነቶም ከም ሓመድ ብዙሓት ዝኾኑ ደቂ ያእቆብ መን ክቘፅሮም ይኽእል? ንርብዒ እስራኤልከ መን ይቘፅሮ? ኣነ፥ ሞት ፃድቕ እሙት፤ መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።”
11
ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ።
12
በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
13
ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ።
14
ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።
15
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
17
በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
18
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።
19
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
20
እንሆ ንኽባርኽ ትእዛዝ ተቐቢለ እየ፤ ንሱ ባሪኹ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።
21
ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።
22
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።
23
ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኣስማት፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ጥንቘላ፥ ኣይሰርሕን እዩ። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፥ ‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ።
24
እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”
25
ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ።
26
በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
27
ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ።
28
ባላቅ ድማ ንበለዓም፥ ንምድረ በዳ ኣቢሉ ናብ ዘመልክት ናብ ርእሲ እምባ ፌጎር ወሰዶ።
29
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።
30
ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።
← Chapter 22
Chapter 24 →