bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 22
Numbers 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ኢያሪኮ ተጕዒዞም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፈሩ።
2
ባላቅ ወዲ ሴፎር ድማ፥ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዅሉ ረአየ።
3
ሞኣባውያን ከዓ፥ ህዝቢ እስራኤል ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፥ ብኣኣቶም የመና ፈርሑ። ሞኣባውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ።
4
ሽዑ ሞኣባውያን ንዓበይቲ ሚድያን “ብዕራይ ሳዕሪ በረኻ ኸም ዝበልዕ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኸምኡ ኽበልዖ እዩ” በልዎም። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር ንጉስ ሞኣብ ነበረ።
5
ንሱ ነቲ ኣብ ፋቱራ፥ ጥቓ ሩባ ኣብ ዘላ ዓዱ፥ ተቐሚጡ ንዘሎ በለዓም ወዲ ቢዖር፥ ልኡኻት ሰዲዱ ፀውዖ። “ኣብዙይ ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ኣለዉ፤ ንሳቶም ንገፅ ምድሪ ዝኸድኑ እዮም፤ እንሆ ኣብ ጥቓና ከዓ ሰፊሮም ኣለዉ።
6
ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።
7
ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ምድያምን ድማ ንጥንቍልና ዝኽፈል ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፤ ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ቓል ባላቅ ነገርዎ።
8
ንሱ ድማ “ሎሚ ለይቲ ኣብዙይ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኒ ነገር ከዓ ምላሽ ክህበኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ምስ በለዓም ሓደሩ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
10
በለዓም ከዓ ንእግዚኣብሄር “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥
11
‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ።
13
በለዓም ከዓ ኣንጊሁ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “ምሳኻትኩም ከይኸይድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ እሞ፥ ናብ ሃገርኩም ኪዱ” በሎም።
14
ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ተስኡ፤ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከዓ “በለዓም ምሳና ምምፃእ ኣብዩ” በልዎ።
15
ባላቅ ድማ ኻብኣቶም ዝበዝሑን ዝኸብሩን ካልኦት ሹመኛታት መሊሱ ሰደደ።
16
ናብ በለዓም ከይዶም ከዓ “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ‘በይዛኻ፥ ናባይ ካብ ምምፃእ ዝዓግተካ ኣይንበር፤
17
ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
18
በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ።
19
ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥስ ንስኻትኩምውን በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብዙይ ሕደሩ” ኢሉ መለሰሎም።
20
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
21
በለዓም ከዓ ንግሆ ተሲኡ፥ ኣድጉ ፅዒኑ፥ ምስቶም ሹመኛታት ሞኣብ ከደ።
22
ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ። ንሱ ኣብ ኣድጉ ተቐሚጡ ኽልተ ሓሻኽሩ ኸዓ ምስኡ እናኸዱ እንተለዉ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ።
23
እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ረአየት፤ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ኸዓ ናብቲ ግራት ኣቢላ ኸደት። በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ኽመልሳ ወቕዓ።
24
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣብ ዝተነድቀ ፀቢብ መንገዲ ደው በለ።
25
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ።
26
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንቕድሚት ሓሊፉ፥ ንየማን ወይ ንፀጋም መግለሲ ኣብ ዘይብላ መንገዲ፥ ኣብ ፀባብ ቦታ ደው በለ።
27
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ለጥ በለት። በለዓም ድማ ተናዲዱ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።
28
ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ፤ ንሳ ድማ ንበለዓም፥ “እዝ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻንስ እንታይ ገይረካ እየ?” በለቶ።
29
በለዓም ከዓ ነታ ኣድጊ “ስለ ዘላገፅክለይ! አረ ሰይፊ ኣብ ኢደይ እንተ ዝህልወንስ ሕዚ እኳ ምቐተልኩኺ ነይረ” በላ።
30
እታ ኣድጊ ድማ ንበለዓም “ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንነዊሕ ዘመን ዝተቐመጥካኒ ኣድግኻዶ ኣይኮንኩን? ከምዙይከ ገይረካዶ እፈልጥ እየ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ኣይገበርክን” በላ።
31
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በለዓም ከፈተ እሞ፥ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ዝተመዘዘ ሰይፊ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ እንተሎ ረአየ። ብግንባሩ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ድማ ሰገደ።
32
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻያ? እዛ መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ስለ ዘይኮነት፥ እንሆ፥ ክቃወመካ መፃእኹ።
33
እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።
34
በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።
35
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ።
36
ባላቅ ድማ፥ በለዓም ከም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ናብታ ኣብ ወሰን ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፥ ናብ ጫፍ ወሰን ግዝኣቱ ኸደ።
37
ባላቅ ድማ ንበለዓም “ቀልጢፍካ ኽትመፅእዶ ኣይለኣኽኩልካን? ስለ ምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመፃእኻ? ክብርኻ ኸዕብዮ ዘይክእልዶ መሲሉካ?” በሎ።
38
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
39
በለዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፤ ናብ ቂርያት ሑፆት ከዓ መፁ።
40
ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በለዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታትን ስጋ ሰደደ።
41
ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።
← Chapter 21
Chapter 23 →