bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 21
Numbers 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ኣራድ ንጉስ፥ ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዐ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግአ፤ ካብኣቶም ከዓ ውሑዳት ምርኮ ማረኸ።
2
ሽዑ ደቂ እስራኤል “ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ኢድና ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካናስ፥ ንኸተማታቶም ሕርሚ ኢልና ኽንድምስሰን ኢና” ኢሎም ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ተመባፅዑ።
3
እግዚኣብሄር ድማ ቓል ደቂ እስራኤል ሰምዐ፤ ንከነዓናውያን ከዓ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ወቒዖም ደምሰስዎም። ነታ ኸተማ ድማ “ሔርማ”፥ ኢሎም ሰመይዋ።
4
ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ።
5
“እቲ ህዝቢ ድማ፥ ኣብዙይ እንጀራ የለን፤ ማይውን የለን፤ ነዝ ቐሊል ምግቢ ኸዓ ነፍስና መንያቶ እያ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኽንመውትከ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹምና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ።
6
እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
7
ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።
8
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፦ “ምስሊ ተመን ብነሃስ ግበር፤ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኵሉ ዝተነኸሰ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ።
9
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ።
10
ደቂ እስራኤል ተጕዒዞም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።
11
ካብ ኦቦት ተጕዒዞም ድማ፥ ኣብ መንፅር ሞኣብ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ ኣብ ዒዬዓባሪም ሰፈሩ።
12
ካብኡ ተጕዒዞም ከዓ፥ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ።
13
ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።
14
ስለዙይውን እዩ ኣብ መፅሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ከምዙይ ተብሂሉ ዘሎ፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ለሰታት ኣርኖንውን
15
ናብቲ ዔር ዘላቶ፥ ቍልቍለት ለሰታት ድማ ናብ ወሰን ሞኣብ ዝፅጋዕ እዩ።”
16
ካብኡ ድማ፥ ናብ ቤዔር ተጕዓዙ። እዛ ዒላ እዚኣ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፤ ኣነውን ማይ ክህቦ እየ” ዝበሎ ዒላ እያ።
17
ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምዙይ እናበሉ መዝሙር ዘመሩ፦ “ኣታ ዒላ፥ ማይካ ፈልፍል፤ ንስኻትኩም ከዓ ዘምሩሉ።
18
ነቲ ሹመኛታት ዝዀዓትዎ፥ ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ ዘዕመቝዎ፥ እወ፥ ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ ብዘንጊ መንግስቶምን ኣባትሮምን ዘጐድጐድዎ ዒላ ዘምሩሉ።” ሽዑ ኻብ ምድረ በዳ ተጕዒዞም ናብ ማታና፥
19
ካብ ማታና ናብ ናሓሊኤል፥ ካብ ናሓሊኤል ናብ ባሞት፥
20
ካብ ባሞት ከዓ ናብቲ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ ዝርኢ ርእሲ እምባ ፊስጋ፥ ናብ በረኻ ሞኣብ ዘሎ ለሰ ተጕዓዙ።
21
ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦
22
“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ናብ ገራሁን ናብ ወይንን እንተየግለስና፥ ማይ ዒላውን እንተይሰተና፥ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ክንከይድ ኢና” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱ።
23
ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ።
24
ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ።
25
ደቂ እስራኤል ድማ ንዅለን ከተማታት ኣሞራውያን ሓዝወን፤ ንሓሴቦንውን ምስ ኵለን ከባቢኣ ሓዝዋ፤ ኣብኣተንውን ተቐመጡ።
26
ሓሴቦን ርእሲ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እያ። ንሱ ምስቲ ቕድም ንጉስ ሞኣብ ዝነበረ ተዋጊኡ ንዅላ ምድሩ ኽሳዕ ፈለግ ኣርኖን ዝሓዘ ነበረ።
27
ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ሰብ ብግጥሚ ኸምዙይ ዝበሉ፦ “ናብ ሓሴቦን ንዑ፤ ንሳ ትተሃነፅ፤ ከተማ ሴዎንውን ትተሓደስ።
28
ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ፤ ካብ ከተማ ሴዎን ድማ ሃልሃልታ፥ ንሱ ንኸተማ ዔር ናይ ሞኣብን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም።
29
ሞኣብ ወይለኻ፤ ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤ ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥ ኣዋልዱ ንምርኮ፥ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
30
ንሕና ወርወርናሎም፤ ሓሴቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኣ፤ ክሳዕ ኖፋሕ፥ ክሳዕ ሜድባ ኣፍረስናዮም።”
31
በዝ ኸምዙይ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጡ።
32
ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን።
33
ተመሊሶም ድማ ብመንገዲ ባሳን ኣቢሎም ደየቡ። ኣግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ ኣብ ኤድራይ ክዋግኦም ወፀ።
34
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንእኡን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድሩን፥ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ግበሮ” በሎ።
35
ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ሰራዊቱን፥ ሓደኳ እንተየትረፉ ወድእዎም፤ ንምድሩ ድማ ወረሱ።
← Chapter 20
Chapter 22 →