bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 20
Numbers 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
2
ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።
3
እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና!
4
ስለ ምንታይ ንኣና ንህዝቢ እግዚኣብሄር ናብዝ ምድረ በዳ እዙይ ኣምፃእኹምና? ንሕናን ከፍትናን ኣብዙይ ምእንቲ ኽንመውት ድዩ?
5
ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኽተእትዉና ኢልኩም ዲኹም ካብ ግብፂ ዘውፃእኹምና? እኽሊ ኾነ በለስ፥ ወይኒ ኾነ ሮማን የብላን፤ ዝስተ ማይውን የብላን።”
6
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም።
7
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
8
“ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ።
9
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ።
10
ምስ ኣሮን ኮይኑ ድማ ነቲ ማሕበር ኣብ መንፀር እቲ ኰዅሒ ኣኪቡ፥ “ኣቱም ዓመፀኛታት፥ እስኪ ስምዑ፤ ካብዝ ኰዅሒ እዙይዶ ማይ ክነፈልፍለልኩም?” በሎም።
11
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኰዅሒ ብበትሩ ኽልተ ሻዕ ወቕዖ፤ ብዙሕ ማይ ከዓ ፈልፈለ፤ እቶም ማሕበርን ከፍቶምን ድማ ሰተዩ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም።
13
ኣብኡ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር ዝተጓየቝሉ ንሱውን ቅዱስ ምዃኑ ዝገለፀሉ፥ እዙይ ማይ መሪባ እዩ።
14
ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
15
ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና።
16
ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእወና ግና፥ ንሱ ኣውያትና ሰምዐ፤ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና። “እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና።
17
በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።”
18
ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ።
19
ደቂ እስራኤል ከዓ “ብጐደና ኢና እንሓልፍ፤ ንሕናን ከፍትናን ካብ ማይካ እንተ ሰተና ድማ ዋጋኡ ንኸፍል። ንእግርና ጥራሕ ኢና እንሓልፍ እምበር እንደልዮ የብልናን” በልዎ።
20
ኤዶምያስ ድማ “ኣይትሓልፉን ኢኹም” በሎም።
21
ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ።
22
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ቃዴስ ተጕዒዞም ናብ እምባ ሆር መፁ።
23
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ እምባ ሆር፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ፥ ከምዙይ በሎም፦
24
“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
25
ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም።
26
ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”
27
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር እናረአዮምውን ናብ እምባ ሆር ደየቡ።
28
ሙሴ ድማ ንኣልባስ ኣሮን ኣውፂኡ ንወዱ ኣልኣዛር ኣልበሶ። ኣሮን ከዓ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ኻብቲ እምባ ወረዱ።
29
ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።
← Chapter 19
Chapter 21 →