bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 17
Numbers 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦
2
“ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ።
3
ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።
4
ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን።
5
በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።
6
ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፤ ኵሎም ሹመኛታቶም ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣብትርቲ ሃብዎ። እተን ኣብትርቲ ኸዓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ ነበራ። በትሪ ኣሮን ድማ ኣብ ማእኸል ኣብትርቶም ነበረት።
7
ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
8
ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት።
9
ሙሴ ኸዓ ንዅለን ኣብትርቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣውፂኡ ናብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣምፅአን፤ ሪኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ።
10
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ።
11
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
12
ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ “እንሆ ሞትና፥ ጠፋእና፥ ኵልና ጠፋእና።
13
ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝቐረበ ዅሉ ይመውት ኣሎ፤ ኵልናዶ ኽንጠፍእ ኢና?” ኢሎም ተዛረብዎ።
← Chapter 16
Chapter 18 →