bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 16
Numbers 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥
2
ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ።
3
ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።
4
ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ብግንባሩ ተደፍአ።
5
ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።
6
ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤
7
ፅባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊን ዕጣንን ግበሩሉ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ፤ ኢሉ ተናገሮም።”
8
ሙሴ ኸዓ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ።
9
ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ?
10
ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም?
11
ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?”
12
ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቤሮንን፥ ደቂ ኤልያብ፥ ክፅውዑሉ ለኣኸ። ንሳቶም ከዓ “ኣይንመፅእን!
13
ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ?
14
ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።
15
ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።
16
ሙሴ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ንስኻን እቶም ኵሎም ወገናትካን፥ ኣሮንውን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምፁ።
17
ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፤ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፤ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ፅንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፤ ንስኻን ኣሮንን ድማ ነናትኩም ፅንሃህ ኣምፅኡ” በሎ።
18
ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ወሰደ፤ ሓዊን ዕጣንን ድማ ገበረሉ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በሉ።
19
ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ።
20
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፥
21
“ካብዝ ጉባኤ እዙይ ተፈለዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ” በሎም።
22
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
23
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
24
“ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።
25
ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ።
26
ነቶም ህዝቢ ኸዓ “በይዛኻትኩም ካብ ድንኳናት እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ረሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸዓ ናቶም ዝኾነ ኣይትንክኡ” በሎም።
27
ንሳቶም ከዓ ኻብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ። ዳታንን ኣቤሮንን ግና ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ህፃናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።
28
ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
29
እንተ ደኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ ሞይቶም፤ ወይ ንዅሉ ሰብ ከም ዝበፅሖ እንተ ተቀሰፉ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን።
30
እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ።
31
እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት።
32
ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም።
33
ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ።
34
ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ።
35
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
36
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
37
“ንኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ‘እቲ ፅንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፥ ካብቲ ነዳዲ ኣውፅአዮ፤ ነቲ ሓዊ ኸዓ ናብ ወፃኢ ደርብዮ’ በሎ።
38
ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”
39
ካህን ኣልኣዛር ከዓ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ፅንሃሃት ነሃስ ወሰዶ፤ ንመለበጢ መሰውኢ ክኸውን ከዓ ቐጥቂጡ ኣርቀቖ።
40
ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።
41
ንፅባሒቱ ድማ ዅሉ እቲ ማሕበር፦ “ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልክምዎ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።
42
እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ።
43
ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን መፁ።
44
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ
45
“ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ።
46
ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ።
47
ኣሮን ከዓ፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፥ ፅንሃህ ወሰደ፤ ናብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ድማ ጐየየ። እንሆ ኸዓ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፤ ኣሮን ግና ዕጣን ገይሩ ነቲ ህዝቢ ኣስተስረየሉ።
48
ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ።
49
ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
50
ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ፥ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተመለሰ፤ እቲ መዓትውን ተኸልከለ።
← Chapter 15
Chapter 17 →