bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 18
Numbers 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም።
2
ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም።
3
ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ።
4
ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።
5
“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።
6
እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም።
7
ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”
8
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።
9
እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን።
10
ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ብልዓዮ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።”
11
“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”
12
“ካብቲ ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት፥ ካብ ዘይቲ፥ ካብ ወይኒ፥ ካብ እኽሊ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ።
13
ኵሉ እቲ ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንኣኻ ይኹን። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”
14
“ኵሉ ኣብ እስራኤል ዝተሓረመ ንኣኻ ይኹን።
15
ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ።
16
ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር ይኸውን፤ ንሱውን ዕስራ ኣቦሊ እዩ።”
17
“በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ።
18
ስጋኦም ንኣኻ ይኹን። ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝወዝ መስዋእትን የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።
19
ነቲ ዅሉ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ቅዱስ ዝኾነ ፍሉይ መስዋእቲ፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነጓላትካን፥ ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝነብር ኪዳን ጨው እዩ።”
20
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ።
21
“ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።
22
ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይቕረቡ። እንተ ቐረቡ ግና ብሰንኪ ሓጢኣቶም ክሞቱ እዮም።
23
ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ።
24
‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።”
25
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
26
ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ።
27
እዝ ዝለዓል መስዋእትኹም ድማ ኸምቲ ሓረስታይ ካብ ዓውዱ ዘቕርቦ ስርናይን ካብ መፅመቚ ወይኑ ዘቕርቦ ወይንን ክቝፀረልኩም እዩ።
28
ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ኻብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዓስራትኩም ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መስዋእቲ ኣቕርቡለይ፤ ካብኡ እቲ ፍሉይ መስዋእተይ ንኻህን ኣሮን ሃብዎ።
29
ፍሉይ መስዋእቲ ኽተቕርቡለይ እንተለኹም ካብቲ ዝተውሃበኩም እቲ ዝበለፀ ኣቕርቡለይ።
30
ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ እቲ ዝበለፀ ምስ ኣቕረብኩም፥ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መፅመቝን ይቝፀረሎም።
31
ናይቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እተገልግልዎ መተሓዳደሪኹም ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።
32
ካብኡ እቲ ዝበለፀ ንእግዚኣብሄር ምስ ኣልዓልኩም ሓጢኣት ኣይትስከሙን ኢኹም። ከይትሞቱ ኸዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኣይተርክስዎ።
← Chapter 17
Chapter 19 →