bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 15
Numbers 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥
3
ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦
4
እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
5
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ።
6
ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
7
ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ድማ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ወይኒ የቕርብ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ገይሩ የቕርቦ።
8
ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥
9
ምስኡ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብኽልተ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ።
10
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
11
ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ።
12
ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።
13
ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር።
14
ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።
15
ኣብታ ማሕበር፥ ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ስርዓት ይኹን። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓናን ንስኻትኩምን ማዕረ ኢኹም።
16
ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።
17
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
18
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥
19
እንጀራ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ምስ ጀመርኩም፥ ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መባእ ኣቕርቡ።
20
ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዝለዓል መስዋእቲ እተቕርብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ዝለዓል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ።
21
ካብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ዝለዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ።
22
ካብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት ብዘይ ምፍላጥ እንተ ጠሓስኩም፥
23
ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥
24
ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።
25
እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ።
26
ብዘይ ፍልጠት ዝተገብረ በደል ስለ ዝኾነ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ።
27
ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ስለ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ዓመት ዝገበረት ኣንስተይቲ ጤል የቕርብ።
28
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ብጌጋ፥ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ኽሕደገሉ እዩ።
29
ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ነቲ ወዲ ዓዲ ዝኾነ እስራኤላውን ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።
30
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
31
ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፥ ትእዛዛቱውን ኣፍሪሱ እዩ እሞ፥ ንሱ ፈፂሙ ይወገድ፤ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
32
ደቂ እስራኤል ገና ኣብ ምድረ በዳ እንተለዉ፥ ሓደ ሰብ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንፀይቲ እናኣረየ ረኸቡ።
33
እቶም ዕንፀይቲ እናኣረየ ዝረኸብዎ ኸዓ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሉ ማሕበርን ኣቕረብዎ።
34
እንታይ ከም ዝገብርዎ ስለ ዘይፈለጡ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።
35
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ሰብ እቱይ ይሙት፤ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ” በሎ።
36
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
37
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
38
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንትኹም ዘፈር ግበሩ፤ ኣብ ኵሉ እቲ ዘፈር ከዓ ሰማያዊ ፈትሊ ቕወዱሉ።
39
እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም።
40
ሽዑ ንዅሉ ትእዛዛት ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኹም። ንኣይ ንኣምላኽኩም ከዓ ቅዱሳን ክትኮኑ ኢኹም።
41
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፥ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
← Chapter 14
Chapter 16 →