bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 14
Numbers 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ።
2
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?
3
ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?”
4
ንስንሳቶም ከዓ “ሓለቓ ሼምና ናብ ግብፂ ንመለስ” ተበሃሃሉ።
5
ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ማሕበር ደቂ እስራኤል ብገፆም ተደፍኡ።
6
ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ።
7
ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ።
8
እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸእትወና እዩ፤ ንኣኣውን ክህበና እዩ።
9
ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።
10
ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ።
11
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?
12
ፌራ ሰዲደ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ኻብኣቶም ንዝዓብን ንዝብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
13
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥
14
ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ።
15
ሕዚ ኸዓ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንዅሎም ብሓደ ጊዜ እንተ ኣጥፋእኻዮም፥ ሽዑ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፥
16
‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።
17
“ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር።
18
ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ።
19
ነዝ ህዝቢ እዙይ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ሒዝካ ኽሳዕ ኣብዙይ ይቕረ ዝበልካሉ፥ ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።”
20
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከምቲ ዝለመንካዮ ይቕረ ኢለሉ ኣለኹ።
21
ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥
22
ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
23
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
24
ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም።
25
ኣብቲ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፅባሕ ተመሊስኩም ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ ምድረ በዳ ተጕዓዙ።”
26
እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
27
“ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።
28
እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።
29
ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
30
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም።
31
ነቶም ምርኮ ክኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ናብታ ምድሪ ኸእትዎም እየ፤ ነታ ንስኻትኩም ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ድማ ኽወርስዋ እዮም።
32
ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
33
ደቅኹም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኣርብዓ ዓመት ኮለል ክብሉ እዮም፤ ሬሳታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ኽሳዕ ዝጠፍእ ኸዓ ምንዝርናኹም ክፆሩ እዮም።
34
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።
35
ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣቱም ብሓደ ሓቢርኩም ኣባይ ተልዒልኩም ዘለኹም ሕሱማት ማሕበር፥ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ እዮም፤ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።”
36
እቶም ምድሪ ኽስልሉ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም፥ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸም ዘጕረምርም ዝገበርዎ፥
37
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
38
ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ።
39
ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ።
40
ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።
41
ሙሴ ግና፦ “ስለ ምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እዙይ ድማ ኣይጠቕመኩምን እዩ።
42
እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም የለንሞ፥ ብፀላእትኹም ከይትሰዓሩ ኣይትደይቡ።
43
ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ክገጥሙኹም እዮም እሞ ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽታል ስለ ዝተመለስኩም እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ” በሎም።
44
ንሳቶም ግና ናብ እምባ ኽድይቡ ደፈሩ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን ሙሴን ግና ኻብ ሰፈር ኣይተልዓሉን።
45
እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም።
← Chapter 13
Chapter 15 →