bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 13
Numbers 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ
2
“ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።
3
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
4
ስማቶም ከዓ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፥ ሰሙኤል ወዲ ዛኩር፥
5
ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰፈጥ ወዲ ሱሬ፥
6
ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ፥
7
ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፥
8
ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥
9
ካብ ነገድ ብንያም፥ ፈልጢ ወዲ ራፉ፥
10
ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ጉዲኤል ወዲ ሰዲ፥
11
ካብ ነገድ ዮሴፍ፥ ንሱውን ካብ ነገድ ምናሴ፥ ጋዲ ወዲ ሱሲ፥
12
ካብ ነገድ ዳን፥ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፥
13
ካብ ነገድ ኣሴር፥ ስቱር ወዲ ሚካኤል፥
14
ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፥
15
ካብ ነገድ ጋድ፥ ጉዲኤል ወዲ ማኪ።
16
ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።
17
ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ።
18
እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥
19
እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥
20
እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ።
21
ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ።
22
ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት።
23
ናብ ለሰ ኤሽኮል ከዓ በፅሑ፤ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪፆም፥ ክልተ ኾይኖም ብመፆሪ ፆርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስንውን ተማልኡ።
24
እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት።
25
እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።
26
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
27
ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።
28
ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና።
29
ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
30
ካሌብ ከዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ስዒርና፥ ነታ ምድሪ ኽንሕዛ ንኽእል ኢና እሞ፥ ደዪብና ደኣ ንሓዛ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦም።
31
እቶም ምስ ካሌብ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና “እቶም ህዝቢ ኻባና ዝሕይሉ ስለ ዝኾኑ፥ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
32
ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ክፉእ ነገር ነገርዎም፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፥ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ። እቶም ኣብኣ ዝረአናዮም ኵሎም ህዝቢ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።
33
ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።”
← Chapter 12
Chapter 14 →