bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 10
Numbers 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
“ብሩር ቀጥቂጥካ ኽልተ መለኸት ንኣኻ ስራሕ። ነቲ ማሕበር ንምፅዋዕ፥ ካብ ሰፈሮም ንምጕዓዝ ይኹነልካ።
3
ክልቲኡ መለኸት እንትንፋሕ፥ ኵሉ ማሕበር እስራኤል ናባኻ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይተኣከቡ።
4
ሓደ መለኸት ጥራሕ እንትንፋሕ ግና እቶም ሹመኛታት፥ ኣሕሉቕ ዓሌት ደቂ እስራኤል ናባኻ ይተኣከቡ።
5
መለኸት ብዓብዪ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ድማ ብወገን ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይለዓሉ።
6
ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ።
7
እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ።
8
“እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም።
9
ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም።
10
ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”
11
ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸምዙይ ኮነ፥ እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተልዓለ።
12
ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ።
13
ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤
14
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ።
15
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ይሳኮር ከዓ ናትናኤል ወዲ ሶገር ነበረ።
16
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን ነበረ።
17
ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ።
18
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ።
19
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከዓ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሰዳይ ነበረ።
20
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤሊሳፍ ወዲ ራጉኤል ነበረ።
21
ቀዓታውያን ድማ ኣቑሑ መቕደስ ፆይሮም ተጕዓዙ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝመፁ ኸዓ እቲኣቶም ነቲ ድንኳን ተኸልዎ።
22
እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።
23
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ።
24
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።
25
እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
26
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ኤክራን ነበረ።
27
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከዓ ኣኪሬ ወዲ ዔናን ነበረ።
28
ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ክጕዓዙ እንተለዉ በዝ ኸምዙይ ተጕዓዙ።
29
ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ።
30
ንሱ ድማ፥ “ኣይከይድን፤ ናብ ሃገረይን ናብ ህዝበይን ክኸይድ እየ” በሎ።
31
ሙሴ ኸዓ “በይዛኻ ኣይትሕደገና፤ ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒውን ክትኮነልና ኢኻሞ ኣይትሕደገና፤
32
ምሳና እንተ ኼድካ፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝገብረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ንኣኻ ኽንገብረልካ ኢና” በሎ።
33
ካብ እምባ እግዚኣብሄር ተልዒሎም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዓዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም በተን ሰለስተ መዓልቲ እቲኣተን ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
34
ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
35
ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ።
36
እቲ ታቦት ክዓርፍ እንተሎ ኸዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ናብቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ እስራኤል ተመለስ” ይብል ነበረ።
← Chapter 9
Chapter 11 →