bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 9
Numbers 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
“ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ።
3
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”
4
ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም።
5
ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።
6
ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥
7
“ንሕና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸስና ሰባት ኢና፤ በታ ምድብቲ ጊዜ ምስ ደቂ እስራኤል ኴንና እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ ከይነቕርብ ዝተኸልከልና ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
8
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
10
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ትውልድኹም ብምኽንያት ምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መንገዲ እንተሎ፥ ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኸብዕል እንተ ደለየ፥
11
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኽመሲ እንተሎ የብዕል። ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።
12
ካብኡ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ሓደኳ ኣየሕድሩ፤ ዓፅሙ ኸዓ ኣይስበሩ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ዝእዝዞውን ፋሲካ ይግበሩ።
13
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
14
ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
15
በታ እቲ መሕደሪ ዝተተኽለላ መዓልቲ ነቲ ድንኳን ምስክር ደመና ሸፈኖ። ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ድማ ኸም ደመና ሓዊ መሲሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ነበረ።
16
ኵልሻዕ ከምኡ ነበረ፤ ብመዓልቲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ እቲ ደመና ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ።
17
እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።
18
ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ።
19
እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።
20
ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ።
21
ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ።
22
እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ።
23
ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ።
← Chapter 8
Chapter 10 →