bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Numbers 11
Numbers 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።
2
እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ ምስ ኣእወዩ፥ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ጠፍአ።
3
ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኣቶም ስለ ዝነደደ ድማ፥ እታ ቦታ እቲኣ ተቤራ ተብሃለት።
4
እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።
5
እቲ ኣብ ግብፂ ብኸምኡ እንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፥ ዱባ፥ ብርጭቕ፥ ዝኩኒ፥ ቀይሕ ሽጕርቲ፥ ፃዕዳ ሽጕርቲ ይዝከረና ኣሎ።
6
ሕዚ ግና ሰብነትና ነቐፀ፤ ዓይንናውን ብዘይ እዝ መና እዙይ ዝሪኦ የለን” በሉ።
7
እቲ መና ኸዓ ኸም ፍረ ፃቕዳ ነበረ፤ ትርኢቱ ድማ ኸም ትርኢት እንዳዲዕ ነበረ።
8
እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ።
9
ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ እንትወርድ፥ መና ኸዓ ኣብልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።
10
ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ።
11
ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ንኣይ ንባርያኻ ኣኽበድካለይ? ሸኽሚ እዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣብ ርእሰይ ዘንበርካ? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ?
12
‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?
13
ኣብ ቅድመይ እናበኸዩ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ዝህቦ ስጋኸ ኻበይ ክረክብ እየ?
14
ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ፥ ኣነ በይነይ ክፆሮ ኣይክእልን እየ እሞ፥ እምብዛ ኸቢዱኒ ኣሎ።
15
ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።”
16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
17
ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
18
“ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም።
19
ሓደ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ፤
20
ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ።
21
ሙሴ ኸዓ፥ “እዝ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር እዩ። ንስኻ ኸዓ ‘ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ።
22
ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን እንተ ዝሕረዳ ምኣኸላኦምዶ? ዅሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዝእከብከ መፅገቦምዶ?” በለ።
23
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
24
ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።
25
እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።
26
ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ።
27
ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።
28
ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።
29
ሙሴ ግና “ንኣይ ዲኻ ቐኒእኻ? እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንተ ዘንብር፥ ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ነቢያት እንተ ዝኾኑሞ መን ምሃበ” በሎ።
30
ሙሴን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ናብ ሰፈር ተመለሱ።
31
ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወፀ፤ ካብ ባሕሪ ኸዓ ብርንሂጎታት ኣምፂኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዙይ፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል ድማ በቱይ፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር በተኖም፤ ምብራኹ ኸዓ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።
32
እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ መዓልትን ለይትን፥ ንፅባሒቱውን ምሉእ መዓልቲ ብርንሂጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዝኣከበ፥ ዓሰርተ ዅንታል ኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ድማ ሰጥሕወን።
33
እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ።
34
ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።
35
እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →